ሰሜን ኮሪያ ስለምንታይ ኣብዚ ወርሒ ብተደጋጋሚ ሚሳይላት ኣወንጪፋ?

Published

ሰሜን ኮርያ ናብ ገማግም ማያት ጃፓን ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቐት ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ከምዝተኮሰትን እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብዘይልሙድ ተካይዶም ዘላ ፈተነታት ከምዝኾነን ተገሊጹ’ሎ።

እቶም ሎሚ ሰኑይ ዝተተኮሱ ሚሳይላት ካብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ፒዮንግያንግ ከምዝተበገሱ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጡ። ጃፓን እውን ነዚ ኣረጋጊጻ።

እዚ ምውንጫፍ ሚሳይል ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ጊዜ ዝተኻየደ ኮይኑተመዝጊቡ።

ሰሜን ኮሪያ ባላስቲካዊ ኮነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ፈተነ ከይተካይድ ብሕቡራት ሃገራት ዝተገደበት ኮይና፤ ማዕቐባት’ውን ከምዝተነበረላ ይፍለጥ።

ንምንታይ እያ ሚሳይላት ትትኩስ ዘላ?

እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብቐጻሊ ተካይዶ ዘላ ፈተነታት ሚሳይል ዘይልሙድ ከምዝኾነ ይግለጽ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ፖለቲካ ሃገራ ዓብዪ ትርጉም ንዘለዎም ጽምብላት ምኽንያት ብምግባር’ያ መብዛሕቲኡ እዋን ተወንጭፍ ዝነበረት። ብተወሳኺ ድማ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ሓበራዊ ምውንጫፍ ሚሳይላት እንተካይደን ክትቑጣዕ ከላ ትትኩስ’ያ።

ዘለዋ ዓቕሚ ሚሳይላታ ንምምዕባል ከምኡ’ውን ድልውነታ ንኽተረጋግጽ ከምእተወንጭፍ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዞም ኣብ ቀረባ መዓልታት ተካይዶም ዘላ ፈተነታት ድማ ነዚ ከምዘረጋግጹ በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ሰላም ኣንኪት ፓንዳ ይገለጽ።

“ኪም ጆንግ ኡን ንውሽጣዊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት የእተው እዩ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ከጋጥም ከሎ እቶም ዝካየዱ ምውንጫፋት ሚሳይል ይሕግዝዎ እዮም” ይብል።

ሰሜን ኮርያ ብሕጽረት መግብን ክሃድእ ዘይከኣለ ቁጠባን ትናጋዕ ዘላ ሃገር ኮይና፤ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ንኮቪድ ምኽንያት ብምግባር ዝተደንገገን ምስ ቻይና ንዝነበራ ንግዳዊ ርክባት ዘቋረጸን ዕጽዋን ዝሰዓበ እዩ።

እቲ ንግዳዊ ርክብ ኣብ ቀረባ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ፈተነታት ሚሳይል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማዕቐባት ከምዘንበረ ይፍለጥ።

ሰሜን ኮርያ ድማ እቲ ሎሚ ሰኑይ ዘካየደቶ ምውንጫፍ ሚሳይላት ነቲ ማዕቐባት ዝተወሃበ “ተሪር ግብረ-መልሲ” ክኸውን ይኽእል።

“ሰሜን ኮርያ ብጭዋዳ ኣሜሪካ ክትርታዕ ድልየት የብላን” ይብል ሰሜን ኮርያዊ ፕሮፌሰር ፓርክ ዎን-ጎን ካብ ኤውሃ ዉመንስ ዩኒቨርሲቲ።

ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ክትቐዑጣዕ ከምዘይትኽእል ዝገልጹ ሰብሞያ፡ እቶም ዝውንጨፉ ዘለዉ ሚሳይላት ነዓኣ ዘስግእዋን “ቀይሕ መስመር” ኢላ እትገልጾም ናይ ነዊሕ ርሕቐትን ስለዘይኮኑ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ግብረ-መልሲ ካብ ምሃብ ከምእተቖጠበት የረድኡ።