ብምትላል ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ዘኻዕበተ ናይጄርያዊ ናይ ሓሶት "ጀነራል' ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ናይ መኮንናት ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ቦላሪንዋ ኦሉዋስጉን

ምንጪ ስእሊ, EFCC

መግለጺ ስእሊ, ናይ መኮንናት ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ቦላሪንዋ ኦሉዋስጉን
Published

ኣብ ናይጀርያ፡ ንርእሱ ወተሃደራዊ 'ጀነራል' ብምጥማቕ፡ ንፌርማ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሙሃማዱ ቡሃሪ ሰኒዑ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ሰብመዚ ጸጥታ እታ ሃገር ከምዝበልዎ፡ እቲ ክሱስ ጀነራል ሓይሊ ምድሪ ተመሲሉ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝኣከበ ሓቢሮም።

ኮሚሽን ቁጠባውን ፋይንሳውን ገበናት ናይጀርያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ጀነራል" ቦላሪንዋ ኦሉዋስጉን፡ ካብ ሓደ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ልዕሊ 650 ሽሕ ዶላር ብምጥፍፋእ ወሲዱ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ሓስዩ፡ ፕረዚደንት ወተሃደራዊ መዝነት ንክህቦ ተሓጽዩ ከምዘሎን ነቲ መዝነት ከይሓልፎ ምእንቲ ናይ ጉቦ ገንዘብ ከምዘድልዩን ብምግላጽ ገንዘብ ተቐቢሉ።

ኦሉዋሰጉን ብዛዕባ'ቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ዝበሎ'ኳ እንተዘየለ፡ ሰብመዚ ግን፡ መርመርኦም ምስ ወድኡ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርብዎ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሌጎስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ሽዱሽተ ብረታት፡ ወተሃደራዊ በትሪን ሓያሎ ዝተሰንዐ ሰነዳትን ከምዝተረኽቦ ተገሊጹ።

እቲ ጥርጡር፡ ነቲ ግዳይ ዝኾነ ትካል ንምትላል፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ክኸውን ከምዝተሓጽየ ዝገልጽ ደብዳበ ካብ ፕረዚደንት ቡሃሪ ከምዝበጽሖ ዝገልጽ ስኑዕ ፌርማ ናይቲ ፕረደዚንት ዘለዎ ሰነድ ከምዘርኣየ ሰብመዚ ጠቒሶም።

ናይ መኮንናት ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሱ፡ ብባንዴራታት ዝተፈላለዩ ክንፍታት ሰራዊት ናይጀርያ ተዓጂቡ ዝተሳእሎ ስእሊ'ውን ኣካል ናይቲ ምድንጋር ምዃኑ'ዮም ሰብመዚ ዝኸሱ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝመጸ ጭውያን መጥቃዕትታት ቦኮሓራምን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ከውርድን ክሸይምን ምጽንሑ ይዝከር።