እንግሊዝ፡ ብሓደ አመሓዳሪ ነበር ናይጀርያ ዝተጉሓለ 5̇.8ሚልዮን ዶላር መሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Metropolitan police
ሓደ ኣመሓዳሪ ነበር ናይጀርያ ሰሪቑ ዘህደሞ 5. 8 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ፡ ካብ እንግሊዝ ናብ'ታ ዓዲ ክምለስ ከምዝተገብረ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ደልታ ተባሂላ ናይ እትጽዋዕ ግዝኣት እታ ሃገር ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጄምስ ኢቦሪ፡ ኣብ 2012 ተሰሪቑ ናብ እንግሊዝ ዝገዓዘ ገንዘብ እዩ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ እዩ ጸኒሑ።
ዓቀብቲ ሕጊ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝብልዎ፡ ካብታ ብነዳዲ ሃብታ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝኾነት ግዝኣት 165ሚልዮን ዶላር እዩ ጉሒሉ።
ኢቦሪ፡ ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነድ ከምዝረአ፡ ካብ ዝቐረብዎ ክስታት ሓደ፡ ቦምባርድየር ቻለንጀር ነፋሪት ዕድጊት ይርከቦ።
ዛጊድ፡ 4.2 ሚልዮን ዶላር ካብ በዓልቲ ገዝኡ፣ ካብ ሓፍቱን ካብ መሻርኽቱ ኤጀንሲን ክርከብ ተኻኢሉ ኣሎ ተባሂሉ።
ካብቲ ኣመሓደሪ ነበር ኢቦሪ፡ ገና ብርትዕ ዝበለ ገንዘብ ክርከብ ከምዝኽእል ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ይዛረቡ።
ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ናይጀርያ፡ ኣቡባከር ማላሚ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ካብታ ሃገር ኣብ ዝተጉሓለ ገንዘብ ኣብ ምምላስ እትገብሮ ዘላ ብርቱዕ ስራሕ መርአያ እዩ ኢሉ።
ጄምስ ኢብሮ መን እዩ?
ጄምስ ኢብሮ ብኣናእሽቱ ስርቂ ናብ ናይ ሓደ ክልል ኣመሓዳሪ ክኾን በቒዑ። ካብኡ ድማ ናብ ስርቂ ኣትዩ ሓያሎ ገንዘብ ጉሒሉ ካብ ዓዲ ኣህዲሙ።
ኣብ 1980ታት እዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ወፊሩ። ኣብ ለንደን፡ ዲኣይዋይ ኣብ ዝበሃል ድንኳን ድማ ከም ተሓዚ ገንዘብ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብ 1991 ኢቦሪ ካብ መኻዚኖ ገንዘብ ኣልዒልካ ተባሂሉ ይኽሰስ፤ ካብኡ ግን ዋዛ ኣይነበረን፤ ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ።
ሽዑ፡ ደልታ ንዝተብሃለት ክልል ኣማሓደዳሪ ኮይኑ ንክምረጽ እንትወዳደር ድማ፡ በቲ ኣብ ለንደን ዝተመስረቶ ክሲ ንምምላጥ፡ ዕለተ ልደቱ ሓስዩ ኣቕሪቡ፤ ንሱ ምዃኑ እንተዝፍለጥ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኮይኑ'ውን ኣይምቐረበን።
እንተኾነ፡ ኣብ 1999 ድማ ኣማሓዳሪ ናይታ ግዝኣት ኮይኑ ተመሪጹ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ናይታ ግዝኣት ገንዘብ ሰሪቑ ናይ ምህዳም ስራሕቲ ጀሚሩ።
ደልታ ኣብዝሓ ናይ ናይጀርያ ነዳዲ ምንጪ እያ።
ሰበስልጣን እንግሊዝ ስለምንታይ እዮም ዝኸስዎ?
ፖሊስ እንግሊስ ንኢቦሪ መሊሱ ክከታተሎ ዝጀመረ፡ ኣብ ለንደን ብዝርከብ ወኪሉ ኣቢሉ ኣብ 2005 ናይ ውልቀ ነፋሪት ክገዝእ ውዕል ክኣስር ምስ ረኸብዎ እዩ።
ፈለማ፡ ደገፍቱ ንፖሊስ ኣጥቂዖም ከይተትሓዘ ዘምለጠ ኾይኑ፡ ካልእ ግዘ ግን ብ2010 ኣብ ዱባይ ተታሒዙ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ።
ኣብ 2012 ድማ፡ ብዓሰርተ ጉዳያት ምትላላት፡ ብሓፈሻ ብ50 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ተኸሲሱ ነይሩ።
ኣብ 2016፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ድማ፡ ብቐጥታ ናብ መጽንሒ ኢሚግሬሽን ተወሲዱ።
ካብኡ ድማ፡ ብውሕዱ 57 ሚልዮን ዶላር ንምድሓን ክበሃል ንሱ ኣብቲ ማእከል ክጸንሕ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።
ካብኡ'ኸ እንታይ ኮይኑ ኢቦሪ?
ኢቦሪ፡ ካብ እንግሊዝ ናብ ናይጀርያ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ኢሚግሬሽን ብዘይሕጊ ክእሰር ተገይረ ኢሉ ክሲ መስሪቱ።
ኢብሮ ኣብ ሕጊ ስዒሩ እንተኾነ'ኳ፡ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ጥራሕ እዩ ካሕሳ ተዋሂብዎ።
ኣብ 2020፡ ድማ ዓቀብቲ ሕጊ እንግሊዝ ኢብሮ 117 ሚልዮን ፓውንድ ክውረስ ንዳይና ሓቲቶም።
ኢብሮ ብርክት ዝበሉ ናይ ባንኪ ደብተራት ከምዘለዎን፡ ኣብ ዓለም ድማ ልዕሊ 10 ንብረታት ከምዘለዎ ይዝረብ።
እቲ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተረኽበ ሰነድ ከምዘርእዮ፡ ቤንትሊ ዝተብሃለት ክባር መኪናን፡ ቦምባርድየር ቻለንጀር ነፋሪትን'ውን ይውንን ተባሂሉ። እዚ ብሐፈሻ 17 ሚልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።
እንተኾነ እቲ ካብ'ቲ ውልቀሰብ ዝተወርሰ ገንዘብ፡ ካብ እንግሊዝ ናብ ናይረጀርያ ምምላስ ብዝምልከት ገለ ስምዒታት ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ናይጀርያ ክልተ ድልድላትን ክልተ ኣውራ መንገድታትን ክስረሐሉ ብዝብል እዩ ነይሩ።
እቲ ድልድል፡ ሰከንድ ኒጀር ብሪጅ ዝበሃል ኮይኑ፡ ግዝኣት ዴልታ ምስ ካልእ ግዝኣት ኣናምብራ ዘራኸብ እዩ ተባሂሉ።
እቶም ክልተ መንገድታት ድማ፡ ካብ ዴልታ ወጻኢ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ብመኪና ዝኸየደሎም እዮም።
ሓደ ኣፍሪካን ኔትወርክ ናይ ዝተብሃለ ትካል ዳይሬክተር ዝኾነ ዳቪድ ኡጎሎር፡ "እቲ ገንዘብ ናብቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ዘይምምላሱ ዘሕዝን ዜና እዩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
