እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤት ፍርዲ ጀርመን ንሓደ መሃንድስ ዝቐተለ በላዕ-ሰብ ንሕልፈት ክእሰር በዪኑ
ቤት ፍርዲ ጀርመን ኣብ ኢንተርነት ንዝተላለዮ ሰብኣይ ብምቕታል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስከሬን ዘሰቅቕ ተግባራት ንዝፈጸመ ሓደ መምህር ንሕለፈት ክእሰር በዪኑ።
እቲ ስተፋን ኣር ዝተባሃለ ወዲ 42 ዓመት ነቲ በዓልሞያ ኤለክትሪካዊ ምህንድስና ዝነበረ ሰብ ዝቐተለ “ነቲ ሰብ ናይ ምብላዕ ሕልሙ ንምትግባር” ምዃኑ እቲ ዳኛ ቤትፍርዲ በርሊን ተዛሪቡ።
እቲ መምህር ነበር፡ ገለ ኣዕጽምቲ እቲ ግዳይ ኣብ ሰሜናዊ በርሊን ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ምስ ተረኽበ እዩ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ወላዲት እቲ ወዲ 43 ዓመት ግዳይ ቅድሚ ገለ ሳምንታት ወዳ ከምዝጠፍአ ኣመልኪታ ነይራ። ክልቲኦም ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም እዮም ኣብ ገዛ ስተፋን ኣር ክራኸቡ ተቋጺሮም።
እቲ ሰብኣይ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ‘ካንኦፐነር79’ ዝብል ስም ይጥቀም ምንባሩ መራኸቢ ብዙሓን በርሊን ጸብጺበን።
እቲ ቀታሊ ኣቐዲሙ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ሰብ-በላዕነት ወግዒ ናብ ዝካየደሎም ናይ ዝርርብ ክፍልታት (ቻትሩምስ) በጺሑ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ሓበሬታ መርመርቲ እቲ ግዳይ ሒደት ሰዓታት ድሕሪ ምርካቦም እዩ ሞይቱ። ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝገበርዎ ፍተሻ ከኣ መቑረጺ ዓጽሚ መጋዝን ዓቢይ ካራን ረኺቦም።
ስተፋን ኣር ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስቲ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሞም ንጽባሒቱ ሞይቱ ከምዝረኸቦን ብሰንኪ ፍርሒ ነቲ ኣስከሬን ከወግዶ ከምዝወሰነን ተዛሪቡ።
ናይ ክራይ መኪና ብምጥቃም ከኣ ነቲ ኣካላቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት በታቲንዎ። እቲ ጠበቕኡ ግና እቲ መሃንድስ በቲ ዝወሰዶ መስተ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ብምግላጽ ዓሚሉ ነጻ ክበሃል ሞጊቱ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ግና እቲ ግዳይ ናብ መጻወድያ ከምዝተታለለ እቲ ቀታሊ ጾታዊ ድልየታቱ ከምዘርወየን ንካልእ ገበናት ከመዘመቻቸወን ብምግላጽ እቲ ተግባር ቅትለት ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ፍጻመ ንተግባር ናይቲ ኣብ 2006 ዝተኣሰረ ሰብ ዝሰክሓሉ ጀርመናዊ በላዕ-ሰብ ኣርሚን ሜወስ ዘዘኻኽር ምዃኑ ይንገር። እንተኾነ ግና ግዳይ ሜወስ ንባዕሉ ኣብ ሰብ-በላዕነት ህንጡይ ብምንባሩ ፍልይ ይብል።