ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ናይ 5 ሽሕ ሜተር ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም

ምንጪ ስእሊ, World athletics
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እጅጋየሁ ታዬን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ናይ 5 ኪሜ ጉያ ሓድሽ ክብረወሰን ከምዘመዝገቡ ዓለምለኻዊ ኣትሌቲክስ ሓቢሩ።
ንሳቶም ትማሊ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዓመተ 2021 ኣብ ከተማ ባርሴሎና ስጳኛ ብኩርሳ ዴልስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እዮም ነቲ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም።
ብደቀንስትዮ እጅጋየሁ ታዬ ነቲ ርሕቐት ብ14 ደቓይቕን 19 ካልኢትን ክትዛዝም እንከላ ብደቂ ተባዕትዮ በሪሁ ኣረጋዊ ብ12 ደቓይቕን 49 ካልኢትን ብምፍጻም ነቲ ዝጸንሐ ክብረወሰን ኣመሓዪሾም።
ብደቀንስትዮ ነቲ ናይ 5,000 ሜትር ናይ ዓለም ክብረወሰን ዘመሓየሸት እጅጋየሁ ታዬ ካብቲ ዝጸንሐ ብ24 ካልኢት ቀዲማ እያ ውድድራ ዛዚማ። በሪሁ ኣረጋዊ ብወገኑ ብ2 ካልኢት ከምዘመሓየሾ ዓለምለኻዊ ኣትሌቲክስ ኣፍሊጡ።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣትሌቲክስ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጓል 21 ዓመት እጅጋየሁ ታዬ ኣብ ኢትዮጵያ ወናኒት ክብረወሰን 3,000 ሜተር ምዃና ብምዝኽኻር፤ ነቲ ክብረወሰን ክሳዕ እተመሓይሽ’ውን ኣብ 5,000 ሜተር ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝፈጠነት ኣትሌት ኮይና ምጽናሓ ገሊጹ።
እጅጋየሁ እቲ ናይ 5,000 ሜትር ክብረወሰን ዘመሓየሸትሉ ናይ ባርሴሎና ውድድር ኣብ ምሉእ ዘበና ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተሳተፈትሉ ካልኣይ ናይ ጎደና ውድድር እዩ።
ወዲ 20 ዓመት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሊል ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ብኬንያዊ ጆሽዋ ቼፕቴጌ ተታሒዙ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ካብ ምስባር ብሓንቲ ካልኢት እዩ ድሒሩ።
ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ባርሴሎና ዝተኻየደ ውድድር ግና ተዓዊቱ ኣሎ።
ብመሰረት ልሙድ ኣሰራርሓ ዓለምለኻዊ ኣትሌቲክስ፡ እቲ ብኽልቲኦም ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ዝተመዝገበ ሓድሽ ክብረወሰን ኣድላዪ ምጽራይ ምስተገበረሉ ክጸድቕ እዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
