ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ዝጻወቱሉ ዝነበሩ ባላንቺና ብንፋስ ብምውሳዱ ሽዱሽተ ቆልዑ ሞይቶም

ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ዝጻወቱሉ ዝነበሩ ባላንቺና ብንፋስ ብምውሳዱ ሽዱሽተ ቆልዑ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, TASMANIA POLICE

Published

ኣብ ኣውስትራልያ ቆልዑ እናዘለሉ ዝጻወቱሉ ብኣየር ዝንፋሕ ጎማ ብንፋስ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ውሽጡ ካብ ዝነበሩ ቆልዑ ሽዱሽተ ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዴቮንፖርት፡ ታስማንያ ኣብ ዝርከብ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብሓሙስ እዩ ኣጋጢሙ። ሽዑ ትሽዓተ ተማሃሮ ካብ ኣየር (10 ሜተር ብራኸ) ናብ መሬት ክወድቁ እንከለው እቶም ሓሙሽተ ብኡ ንብኡ እዮም ሞይቶም።

እቲ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ረድኤት ክግበረሉ እኳ እንተጸንሐ ብሰንበት ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ።

ክልተ ጌና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡ’ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ዝጻወቱሉ ዝነበሩ ባላንቺና ብንፋስ ብምውሳዱ ሽዱሽተ ቆልዑ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, TASMANIA POLICE

ሓደ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝቖሰሉ ቆልዑ ብዓርቢ ካብ ሆስፒታል ክፋኖ እንከሎ ናብቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነቶም በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ መማህርቱ ዕምባባ ከምዘንበረ ጸብጻባት ገሊጾም።

እቲ ሓደጋ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ዛጊት ኣይተነጸረን። ፖሊስ እቲ ባላንቺና ምስ መሬት ተኣሲሩ እንተነይሩ መርመራታት ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኮምሽነር ፖሊስ ታስማንያ ዳረን ሂን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ብታህዋኽ ክንገብሮ ኣይንደልን፤ ግና ነበርቲ መልሲ ከምዝደልዩ’ውን ንርዳእ ኢና” ኢሉ።

ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ናይ መዕጸዊ ቤት ትምህርቲ በዓል፡ ከባቢ 40 ዝኾኑ ቆልዑ፡ መማህራንን ካልኦት ሰባትን ምንባሮም ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ኣብታ ካብ 30,000 ዘይበዝሑ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ዴቮንፖርት ራዕዲ ክፈጥር እንከሎ ንመላእ ኣውስትራልያ’ውን ኣሰንቢዱ እዩ።

ዛጊት ንስድራ ግዳያት ንምሕጋዝ ኣብ ኦንላይን ኣብ ዝግበር ዘሎ ወፈያታት ኣስታት 930,000 ዶላር ኣሜሪካ ተኣኪቡ ኣሎ።