ሰራዊት ሚያንማር ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት ተቓሊዑ

ጉድጓድ ዝፍሕሩ ክልተ ሰባት
Published

ሰራዊት ሚያንማር ኣብ ወርሒ ሓምለ ተኸታታሊ ጃምላዊ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸመ ኮይኑ ብውሕድ 40 ደቂተባዕትዮ ከምዝሞቱ ቢቢሲ ዘካየዶ ምርመራ የመልክት።

መሰኻኽር ዓይንን ብህይት ዝተረፉ ግዳያትን፡ ደቂ 17 ዓመት ዝርከብዎም ወተሃደራት ንነበርቲ ቁሸታት ብምእካብ ነቶም ደቂተባዕትዮ ፈልዮም ከምዝቐትልዎም ይዛረቡ።

ነቲ ተግባር ዘርእዩ ናይ ቪድዮን ስእልን መረዳእታታት፡ እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ኣቐዲሙ ስቅያት ከምዝበጽሖምን ዕምቆት ኣብ ዘይብሉ ጉድጓድ ከምዝተቐበሩን የረጋግጹ።

እቶም ናይ ወርሒ ሓምለ ቅትለታት፡ ካኒ ኣብ ዝተበሃለት ተቓወምቲ ብስፍሓት ኣብ ዝንቀሳቐሱላ ወረዳ ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣምታት ከምዝተፈጸሙ ተፈሊጡ’ሎ።

ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ለካቲት ብዝተኻየደ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ካብ ዜጋታት ሰፊሕ ተቓውሞ ከጋጥሞ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ሰራዊት ነታ ብዴሞክራሲያዊ መረጻ መንግስቲ ዘቖመት ኣን ሳን ሱ ቺ ዓልዩ ስልጣን ከምዝተቖጻጸረ ይዝከር።

ቢቢሲ ኣብ ካኒ ንዝነብሩ 11 መሰኻኽር ዓይኒ ብምዝርራብ ነቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ምስቲ ‘ሚያንማር ዊትነስ’ ዝተባሃለ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኣከቦም ብሞባይል ስልኪ ዝተቐድሑ ቪድዮታትን ካልኦት ስእልታትን ኣነጻጺርዎ’ሎ።

እቲ ዝዓበየ ቅትለት ዪን ኣብ ዝተባሃለት ቁሸት ዝተኻየደ ኮይኑ ብውሕድ 14 ደቂተባዕትዮ ስቅያት ተፈጺምዎም ወይ ተቐጥቂጦም ተቐቲሎምን ናብ ጫካ ተደርብዮምን።

ሓደ ንቢቢሲ ምስክርነቱ ዝሃበ ነባሪ ዪን፡ እቶም ግዳያት ቅድሚ በቶም ወተሃደራት ምቕታሎም ብገመድ ተኣሲሮም ከምዝተገረፉ ተዛሪቡ።

ሓዋ፣ ወዲ ሓዋን ሓው በዓልቤታን ዝተቐተልዋ ካልእ ሰበይቲ ድማ “ነቲ ተግባር ምርኣይ ክንጻወሮ ብዘይምኽኣልና ርእስና ኣድኒንና ንበክይ ኔርና” ክትብል ገሊጻ።

“ነቲ ተግባር ንኸይፍጽምዎ ለሚንናዮም። ግን ኣይተገደሱን። ‘ሰብኡትክን ኣብ ሞንጎኦም ኣለዉ’ዶ? ንመወዳእታ ጊዜ ተሰናበትኦም’ ኢሎምወን” ይብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዘረድእ ካልእ ምስክር ዓይኒ።

ካብቲ ቅትለት ክሃድም ዝኸኣለ ሰብኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ነቶም ሰባት ቅድሚ ምቕታሎም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቅያት ከምዘብጽሑሎም ኣረዲኡ።

“ብገመድ ተኣሰሮም ኔሮም። ብእምኒን ሰደፍ ብረትን ተቐጥቂጦም። ሙሉእ መዓልቲ ስቅያት በጺሕዎም” ይብል እቲ ብህይወት ዝተረፈ ግዳይ።

“ገሊኦም ካብቶም ወተሃደራት ገና ኣብ 17 ወይ 18 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ ቆልዑት’ዮም። ገሊኦም ከኣ ኣዝዮም ዓበይቲ። ሰበይቲ’ውን ነይራ ምስኦም” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ‘ዚ ቢን’ ዝተበሃለት ቑሸት እውን ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሓምለ ናይ 12 ሰባት ኣስከሬን ኣብ ሓደ ዕምቆት ዘይብሉ ጉድጓድ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብ ሞንጎኦም ድማ ናይ ህጻንን ናይ ጉድእ ኣካልን ሬሳታት ይርከብዎም።

ኣብ ጥቓ እቲ ጃምላዊ መቓብር ከኣ ናይ ሓደ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ኣስከሬን ኣብ እግሪ ኦም ተኣሲሩ ተረኺቡ። ቢቢሲ ኣብቲ ኣስከሬን ብዝገበሮ ምጽራይ እቲ ሰብኣይ ስቅያት ከምዝተፈጸሞ ኣረጋጊጹ’ሎ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ወዱን ደቂወዱን እቶም ወተሃደራት ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ካብቲ ቦታ እንተሃደሙ’ኳ ንሱ ግን ‘ንዕድመይ ሪኦም ክገድፉኒ እዮም’ ብዝብል ከምዝተረፈ ኣረዲኦም።

እቶም ቕትለታት ኣብ ልዕሊ ንዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ብምጥላብ ተቓውሞ ዘስምዑ ሲቪል ሚሊሻታት ዘነጻጸሩ’ዮም ዝመስሉ። ኣዋርሕ ቅድሚ እቶም ቅትለታት ኣብ ሞንጎ ወተሃደራት መንግስትን ‘ህዝባዊ ሓይሊ ምክልኻል’ ብዝብል ናይ ዝጽዋዕ ጉጅለ ሲቪል ሚሊሻታት ኣባላት ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ከባብን ሓያል ውግእ ተኻይዱ ነይሩ።

ደቂተባዕትዮ ጥራሕ እናተፈለዩ ዝቕተሉሉ ምኽንያት ድማ ምስቲ ዝተኻየደ ውግእ ብዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ካብቶም ቢቢሲ ዝረኸቦም ዝረኣዩ መረዳእታታትን ምስክርነት ዝሃቡን ሰባትን ምግንዛብ ይከኣል።

ስድራ ናይቶም ግዳያት ግን እቶም ዝተቐተሉ ደቂተባዕትዮ ኣንጻር ሰራዊት ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ተሳትፎ ከምዘይበሮም ይገለጹ።

ካብቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ንደሓር ናይ ደገ ጋዜጠኛታት ብዛዕባ ሚያንማር ከይጽብጽቡ ዝተኸልከሉ ኮይኖም፤ ዝበዝሓ ዘይመንግስታዊ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር’ውን ክዕጸዋ ተገይሩ።

ቢቢሲ ንኹሎም እቶም ዝቐረቡ ክስታት መሰረት ብምግባር ንምኽትል ሚንስትሪ ሓበሬታን ወሃቢ ቓል ሰራዊትን ጀነራል ዛው ሚን ቱን ከዘራርብ ፈቲኑ ነይሩ። እቲ ጀነራል ንዝተፈጸሙ ጃምላዊ ቅትለታት ኣይከሓደን።

“ከጋጥም ይኽእል’ዩ። ከም ጸላኢ ስግኣትና እንተኾይኖም ንነብስና ክንከላኸል መሰል ኣለና” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ኣብዚ እዋን ውድብ ሕቡራት ነቶም ብሰራዊት ሚያንማር ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምጽራይ ይርከብ።