ካብ ኤፍቢኣይ ዝተልኣኸ ስኑዕ ናይ ‘መጠንቀቕታት’ ኢመይል የዘራርብ ኣሎ

ኤፍቢአይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ካብ ሓደ ናይ ኤፍቢኣይ ሰርቨር ዝተልኣኸ ብኣሸሓት ዝቑጸር ኢመይል፡ ኮምፒተራዊ መጥቃዕቲታት ክፍኖ ከምዝኽእል መጠንቐቕታ ዝሓዘለ እዩ።

እቲ መንግስታዊ ኤጀንሲ ትማሊ ቀዳም፡ እቲ ዘጓነፈ ተግባር ኣብ ከይዲ ምጽራይ ከምዘሎ ብምሕባር ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

እቲ ስኑዕ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ኢመይል መልእኽቲ፡ ካብ ክፍሊ ኣመሪካ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

እቲ መልእኽቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል መጠንቀቕታት ዝሓዘለ ኾይኑ “"Urgent: Threat actor in systems." [ህጹጽ፡ ስግኣት መጥቃዕቲ ካብ ውሽጢ ክሊ ድሕነት] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እዩ።

ሓደ ‘ስፓምሃውስ’ ኣብ ስኑዕ መልእኽታት ምክልኻል ኣድሂቡ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝበሎ፡ እቶም እቲ መልእኽቲ ዝበጽሖም ተቐበልቲ ሰብ ኢመይል፡ ዳርክ ኦቨርላድ ካብ ዝተብሃለ ‘ዝረቐቐን ዘተሓላለኸን መጥቃዕቲ ሳይበር’ ከምዝፍነዎም እዩ ዘጠንቅቕ።

“እቶም ዘተሰደዱ መልእኽታት ከቢድ ስግኣታት እዮም ፈጢሮም፤ ምኽንያቱ እቲ ኢመይል ብትኸክል ካብ ውሽጢ ኤፍቢኣይ ከምዝተልኣኸ ዝተረጋገጸ እዩ” ኢሉ ስፓምሃውስ ኣብ ትዊተር።

እንተኾነ፡ እቶም መልእኽታት ናይ ለኣኺ ኣስማትን ኣድራሽን ዘካተቱ ኣይኮነን።

ገለ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ከምዝጸብጸበኦ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ልዕሊ 100 ሽሕ ናይ ኢመይል መልእኽታት እዩ ተላኢኹ።

ኤፍቢኣይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኤጀንሲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣንጊሁ ከምዝፈለጠን @ic.fbi.gov ካብ ዝብል ኢመይል ኣድራሻ ኤፍቢኣይ ከም ዝተልኣኹን ገሊጹ።

እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ፡ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ዝበጽሖም ሰባት፡ ብፍላይ ኣድራሻ ካብ ዘይብሉ እንተኾይኑ ጥንቃቐ ክገብሩን፤ ዝኾነ ተመሳሳሊ ተግባር እንተሪኦም ቀልጢፎም ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ከመልክቱን ኣጠንቂቑ።

እቲ ነዚ ጸገም ምኽንያት ዝኾነ ኮምፒተር ግን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክቋረጽ ከምዝተገብረ ወሲኹ ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ እቶም ኢመይላት ካብ ሓደ ናይ ኤፍቢኣይ ሰራሕተኛ ዝተልኣኹ ይኹኑ ወይ ከኣ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ሰርሰርቲ ኣትዮምዎ ይኹን ዛጊድ ኣይተነጸረን።