ኣብ 50 ግዝኣታት ኣመሪካ ብኣጽዋር ዝተዓጀበ ተቓውሞ ከይካየድ ተሰጊኡ

ሃገራዊ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ መጻኢ ረቡዕ ስልጣኖም ዝርከቡሉ በዓለ ሲመት ዝካየድ ኾይኑ፡ ቅድሚኡ ካብዚ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብኣጽዋር ውግእ ዝተዓጀበ ተቓውሞ ሰልፊ ከይካየድ መጠንቀቕታ በጺሑ።

ሃገራዊ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ፡ እቲ ዝሓለፈ ከይድደገም ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ወሪድዎም ኣሎ።

ኤፍቢኣይ ፡ እቲ ንድጋፍ ትራምፕ ዝሕሰብ ዘሎ ሰልፍታት ተቓውሞ ብኣጽዋር ዝተሓገዘ ከይኸውን ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ጋንታ ባይደን፡ ትራምፕ ዝኣወጆም ገለ ፖሊሲታት ናብ ንቡር ንምምላስ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ።

ገለ ሚድያታት ከምዝተዓዘብዎ ፡ባይደን እግሩ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝረግጸሎም ሒደት ሰዓታት፡ ከም ፈጻሚ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምሕደራ ዝጻረር ውሳነተታ ከሕልፍ ተባሂሉ እዩ ዝግመት።

ገለ ካብቶም ክሰርሖም ተተሊሞም ዘለዉ፡

  • ኣመሪካ ካብቲ ብትራምፕ ዝወጽአቶ ‘ውዕል ፓሪስ’ [ኩነታት ኣየር ዝምልክት] ክምልሳ ምዃኑ
  • ኣብ ልዕሊ ገለ ሙስሊም ሃገራት ዝተኣወጀ እግድ ጉዕዞ ከልዕሎ ምዃኑ
  • ማስክ ምግባር ድማ ኣስገዳድ ክገብር እዩ።

ከምቲ ትራምፕ ክገብሮ ዘጸንሐ ባይደን ’ውን ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኮንግረስ [ቤት ምኽሪ] ዘሊሉ ገለ ውሳነታት ከሕልፍ ዝኽእል ምዃኑ እንተተነግረ’ኳ፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዕላዊ ዝገበሮ ናይ 1.9 ትሪልዮን ዶላር ድጋፍን እቲ ናይ ጉዕዞ እግድን ዝምልከቱ ጉዳያት ብቤት ምኽሪ ክሓለፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዙርያ ካፒቶል ዝስራሕ ዘሎ ሓጹራት

ምንጪ ስእሊ, EPA

ተሪር ሓለዋ ጸጥታ

ኣብ ድሮ እቲ ዕለት በዓለ ሲመት ባይደን ጀሚሩ፡ ኣብዝሐ ከባቢታት ዋሺንግንተን ዲሲ ኣብ ሓያል ሓለዋ ሓይልታት ጸጥታ ከምዝኣተዋን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከምዝተዋፈሩን ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብ ብኣግኡ ጀሚሩ፡ ካብ ካፒቶል [ህንጻ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝርከበሉ] በማይላት ርሒቖም ዝርከቡ ጎደናታት ካብ ብኤሌክትሪክን ብኮንክሪትን ተሓጺሮም ከምዝርከቡ ይዝረብ።

ሓለዋ እቲ ፕረዚደንት ዘካይድ ሰክሬት ስርቪስ፡ ብዝሓተቶ መሰረት ድማ፡ እቲ ኣብ እዋን በዓለ ሲመት ፕረዚደንታት ብኣሸሓት ሰባት ዝዕልቕለቕ ዝነበረ ሃገራዊ ኣደራሽ፡ ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ዕጽው እዩ ክኸውን።

ጋንታ ባይደን፡ ካብ ብሐዚኡ፡ ነቲ ስነስርዓት ክከታተሉ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ጉዕዞ ጀሚሮም ዝነበሩ፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ክምለሱን ኣብኡ በብዘለውዋ ኮይኖም ክከታተሉን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ስግኣታት ኣብ ዕለተ ሰንበት

ሎሚ መዓልቲ ሰንበት፡ ካብ ሕሉፍ ደገፍቲ ትራምፕ፡ ብኣጽዋር ዝተዓጀበ ሰልፍታት ተቓውሞ ተኣዊጁ ስለዘሎ፡ ብዙሕ ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።

ገለ ዕጡቓት፡ ድማ ንመሓዝቱም ናብቲ ሰልፊ ከይጽምበሩ ኣጠንቂቖም ኣለዉ ተባሂሉ።

ናይ ካፒጀቶል ምምሕዳር ፖሊስ ከምዝፍለጦ ሓደ ወዲ ግዝኣት ቪርጂንያ፡ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ዘይረኸበሉ ኣጽዋር ሒዙ፡ ማለት’ውን ሓደ ጠመንጃን 509 ጠያይተን ሒዙ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፊሊጡ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ውልቀሰብ፡ ንመዓልታዊ ናይ ብሕቲ ስራሕ ‘ምበር ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ነወዋሺንግነተን ፖስት ተዛሪ። እቲ ውልቀሰብ ከምዝተለቐቐ ድማ ተፈሊጡ።

እዚ ተሪር ናይ ጸጥታ ሓለዋታት ዝውሰድ ዘሎ፡ ትራምፕ ክኽሰስ ቤት ምኽሪ ምውሳኑ ስዒቡ እዩ።

ዛጊድ ገለ በቲ ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሕተቱ ኣብ ቀይዲ እናኣተወዱ ይርከቡ።

ግዝኣታት ኣመሪካኸ እንታይ ይገብራ አለዋ?

ገለ ግዝኣታት ኣመሪካ ድማ፡ ነዚ ናይ ጸጥታ ስግኣታት ስዒቡ ተረርቲ ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድ ይርከባ።

ገሊአን ዝኾነ ይኹን ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዘየፍቅዳ ኣፍሊጠን ኣለዋ፤ ገለ ድማ ናይ ህጹፍ እዋን ኣዊጅ ኣንቢረን ኣለዋ።

ንኣብነት፡ አመሓዳርቲ ሜሪላንድ፣ ኒው ሜለክሲኮ፣ ኡታሕን ዝኣመሰሉ ህጹጽ አውሳን ኣዊጆም ኣለዉ።

ካሊፎርንያ፣ ፐኒሲልቫንያ፣ ሚቺጋን፣ ቪርጂንያ፣ ዋሺንግነተን፣ ዊስኮንሲን ዝኣመሰላ ድማ፡ ሓለዋ ክልላዊ ባይቶአን ኣበርቲዐን ኣለዋ።

ቴክሳስ ብወገና፡ ነቲ ክልላዊ ባይቶኣ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሩ ክሳብ እቲ ዕለተ ሲመት ፕረዚደንት ዝካየደሉ መዓልቲ ዕጽዉ ክኸውን ወሲና ኣላ።