ዳይና፡ ትራምፕ ምሽጢራዊ ሰነዳቱ ከይቃልዑ ንዘቕረቦ ጥርዓን ነጺጋ

ስቴፈን ሚለር ከይላ ማክኒን ማርክ ሚደውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሕጊ ቀሪቦም መብርሂ ተሃቲቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስቴፈን ሚለር ከይላ ማክኒን ማርክ ሚደውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሕጊ ቀሪቦም መብርሂ ተሃቲቶም
Published

ኣመሪካዊት ዳይና፡ ኣብ ዓይቶ ኣመሪካ [ካፒቶል] ብዛዕባ ዘጋጠመ ናዕቢ ኣመልኪቱ ምርመራ ዘካይድ ዘሎ ኮሚቴ ሚስጢራዊ ሰነዳት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነበር ክርእይ በይና።

ትራምፕ፡ እቶም ሰነዳት ልዑል ሃገራዊ ጉዳይ ዝሓዙን ሚስጢራዊነቶም ክሕባእ ዝግብኡ ርክባት ቤተ መንግስቲ ዝርከቦምን'ዮም ብምባል ከይቃልዑ ጠሪዑ ነይሩ።

እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ ቀዲሙ ይፈልጥ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንምጽራይ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

እዚ ድማ፡ ዓሰርተ ሓገዝቲ ትራምፕ ዝነበሩ ሰብ ስልጣን መሰኻኽር ዓይኒ ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን መብርሂ ክህቡን ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 6 ጥሪ 2021፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ደገፍቲ ትራምፕኣብ መረጻ ዝተዓወ ጆ ባይደን ስልጣን ብስርዓት ከይርከብ ንምግባር ናዕቢ ምልዕዓሎም ይዝከር።

እቲ ኮሚቴ፡ ቅድሚ እቲ ናዕቢ ኣብ ዘለዉ መዓልታት እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝገበሮም ናይ ቴሌፎን ዝርርባት፣ ዝኣተዉ በጻሕትን ካልኦት ጠቐምቲ መረዳእታትን እዩ ሓቲቱ።

ትራምፕ ግን፡ እቶም ሰነዳት ዝኾነ ከይሪኦምን ምስጢሮም ክሕሎን ጠሪዑ።

ታንያ ቹትካን ዝተባህለት ዳይና ግና፡ ሰነዳት ትራምፕ ዝርከበሉ 'ሃገራዊ መዘክር' ካብቲ ኣጻራዪ ጉጅል ንዝቐርበሉ ሕቶታት ኣኽቢሩ ክተሓባበር ከም ዝግባእ በይና ኣላ።

እታ ብግዜ ባራክ ኦባማ ዝተሾመት ዳይና ቼትካን፡ 'ትራምፕ ኣብ ስልጣኑ ዝሰርሖም ነገራት ንዘልኣለም ምስጢር ኮይኖም ክነብሩ ዝደሊ እዩ ዝመስል' ክትብል ነቲ ሞገቱ ውድቂ ገይራቶ።

እቲ 39 ገጽ ዝሓዘ ውሳነ እታ ዳይና "ፕረዚደንታት'ኮ ንጉሳውያን ኣይኮኑን። ከሳሲ ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣይኮነን" ይብል።

እቲ ሞገት ከቕጽል ከም ዝኽእልን ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክጠቓለል ከም ዝኽእልን እዩ ዝግመት።

ካብ ሓገዝቲ ትራምፕ ዝነበሩ 16 ዝኾኑ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም መብርሂ ተሓቲቶም እዮም።

ካብ መንጎኦም፡ ኣብ እዋን ትራምፕ ፕረስ ሴክሬታሪ፣ ሓላፊ ጎስጓስ መረጻ፣ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ይርከብዎም።

ነቲ መርማሪ ኮሚቴ ዝመርሕ ተመራጺ ዲሞክራት ግዝኣት ሚሲሲፒ ዝኾነ ቢኒ ቶምፕሰን፡ ኣብ መግለጺኡ እቲ ኣብ 6 ጥሪ ዘጋጠመን ናዕብን ቅድሚኡ ዘሎ ናብዚ ዘምርሐ ኩነታትን ብዕሊ ክፈልጥ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ እቶም መብርሂ ክወሃቡ ዝተሓቱ ሰበ ስልጣን ነበር፡ ሙሉእ ምትሕብባር ከም ዝገብሩ ትጽቢት ይገብር።

እቲ ኮሚቴ ዛጊድ ንክልተ ናይ ቀረባ ሓገዝቲ ትራምፕ ዝነበሩ ዳን ስካቪኖን ስቲቭ ባኖን ጸዊዑ ከዘራርብ ፈቲኑ።

ሚስተር ባኖን ኣይተሓባበርን ኢሉ ነቲ ዝቐረበሉ ናይ ምትሕብባር ግዴታ ዝነጸገ ኮይኑ፡ ሕጊ ብምጥሓስ ክሲ ተመስሪትዎ ኣሎ።

እቲ ኣብ ካፒቶል ዝተኸስተ ናዕቢ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ቀዲሙ ካብ ስልጣኑ ክእለ ክሲ ተመስሪትዎ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓገግቲ ሕጊ ብዓብላሊ ድምጺ በቲ ገበን ከይሕተት ኣትሪፎምዎ።

ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣመሪካ [ካፒቶል] ብዝተልዓለ ናዕቢ ልዕሊ 670 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓሉ ይፍለጥ።