ኣስከሬን ናይቲ ኣብ ካፒቶል ዝሞተ ወተሃደር ኣመሪካ ብኽብሪ ክዓርፍ ምዃኑ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ 6 ጥሪ ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ብዘካየድዎ ናዕቢ ምኽንያት ህይወቱ ዝሰኣነ ፖሊስ ኣመሪካ ብረይን ሲክኒክ ኣብቲ ቦታ ብኽብሪ ከምዝዓርፍ ተገሊጹ።
እቲ ወዲ 42 ዓመት ፖሊስ ምስ ናዕበኛታት ብኣካል ከምዝገጠመን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ከምዝሞተን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ንሱ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ናዕቢ ህይወቶም ዝሰኣኑ 5 ሰባት ሓደ ኮይኑ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንኽሰስ ምኽንያት ከምዝኾነን ተገሊጹ።
ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎስን መራሒ ሰኔት ዝኾነ ቹክ ስኩመርን፣ ብረይን ሲክኒክ ብኽብሪ ኣብ ካፒቶል ከምዝዓርፍ ገሊጾም።
“ባይቶ ኣመሪካ ብሓበራ ብሞት ብረይን ሓዘን ተሰሚዕዎ’ዩ፣ ንኣገልግሎቱን ዝኸፈሎ መስዋእትን ድማ ልባዊ ምስጋና ኣለና” ክብሉ ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።
ብረይንን ካልኦት ፖሊስ ካፒቶልን ኣብ ህንጻ ካፒቶል ንዝመጽኡ ናዕበኛታት ኣብ ዝገበርዎ ርብርብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከምዘድሓኑ ይግለጽ።
ንመዋቲ ፖሊስ ብረይን ብኽብሪ ናይ ምዕራፍ ስነ ስርዓት 2 ለካቲት ዝካየድ ኮይኑ፡ ፖሊስ ካፒቶልን ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካን ነቲ ስነ ስርዓት ክከታተሉ መጸዋዕታ ክግበረሎም ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዛዕባ ኣማውታ ፖሊስ ብረይን ሲክኒክ ብንጹር ዝፍለጥ ነገር የለን።





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
