ንጸለምቲ ካብ ዝተኸልከለት ኣውቶብስ ኣይወርድን ብምባላ ዝተኸሰሰት ጸላም ኣሜሪካዊት ክሳ ክስረዝ ሓቲታ

ክላውዴቴ ኮልቪን 5 መጋቢት 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣሜሪካዊት ጸላም ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ክላውዴቴ ኮልቪን ኣብ 1955 ጓል 15 ዓመት ጎርዞ ኮይና፤ ካብቲ ኮፍ ዝበለትሉ ወንበር ኣውቶብስ ክትለዓል ትሕተት። ጸላም ብምንባራን ንጸዓዱ ጥራሕ ኣብ ዝፍቀድ ቦታ ኮፍ ብምባላን ነይሩ ክትለዓል ዝተሓተተት።

ንሳ ግን ክትለዓል ፍቓደኛ ስለዘይነበረት ፖሊስ ኣብ ቀይዲ የውዕላ።

እታ ሕዚ 82 ዓመት ዝመልኣ ተጣባቒት መሰላት፤ ኣብ ሞንትጎመሪ-ኣላባማ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከውዕላ ከሎ ጥቕዓት ፈጺማ ብዝብል ተኸሲሳ ነይራ። ጉዳያ ድማ ብዉንዙፍ ፍርዲ ክሳብ ሎሚ ጸኒሑ።

ንጉዳያ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ከኣ እቲ ውንዙፍ ፍርዲ ብወግዒ ከምዘይተቛረጸ ገሊጻ ትካታዕ ኣላ።

ቃላ ኣብ ዝሃበትሉ መግለጺ "ሕዚ በዓልቲ ጸጋ ዕድመ እየ" ዝበለት ክላውዴቴ፡ "ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳየይ ተሰሪዙ ማለት ንደቂ ደቀይን ደቂ ደቅ ደቀይን ዝኾነ ትርጉም ክህልዎ እዩ። ንኻልኦት ጸለምቲ ቆልዑት እውን ዝኾነ ትርጉም ዝሓዘ ክኸውን'ዩ" ክትብል ኣረዲኣ።

ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት "ሽዑ ኣይፈራሕኹን ነይረ። ግን ሓሪቐን ተቖጢዐን። ምኽንያቱ ኣብ ትኽክለኛ ወንበር እየ ኮፍ ኢለ ነይረ" ክትብል ነቲ ኩነታት ገሊጻቶ ነይራ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ንተቖጻጸርቲ ኣውቶብሳት ሞንትጎመሪ ብምቅዋም ኣብ ቀይዲ ዝወዓለት ፈላሚት ውልቀሰብ ከምዝነበረት ይግለጽ። ዛንትኣ ግን ከይተፈለጠ ተዓቢጡ ነዊሕ እዋን ጸኒሑ።

ክላውዴቴ ነቲ ጸለምቲ ናብ ኣውቶብስ ክድይቡ ከለዉ ንጸዓዱ ጥራሕ ኣብ ዝፍቀድ ቦታ ኮፍ ከይብሉ ዝተደንገገ ሕጊ ቅድሚ ብዙሓት ዝተቓወመት'ኳ እንተኾነት፤ ናታ ስም ከይተልዓለ ግን እታ ብድሕሪኣ ነቲ ተቓውሞ ዘስምዐት ሮዛ ፓርክስ'ያ ብተደጋጋሚ ትዝከር።

ክላውዴቴ ግን ንሮዛ ብትሸዓተ ኣዋርሕ ብምቕዳም'ያ ነቲ ተቓውሞ ኣስሚዓ።

ንሳ፡ ሃሪየት ቱብማንን ሶጀርነር ትሩዝን ዝበሃሉ ነጠፍቲ ጸረ-ባርነት ዘካይድዎ ዝነበረ ምንቅስቓስ ከምዝጸለዋ ትዛረብ።

ጠበቕኣ ከምዝበሎ እቲ ንኣስታት 66 ዓመታት ዝጸንሐ ውንዙፍ ፍርዲ ኣብ ህይወታ ጽላሎት ኮይኑ ኣዕሪፉ'ሎ።

ክላውዴቴ ጓል 20 ዓመት ኮይና ካብ ኣላባማ ናብ ኒውዮርክ ብምኻድ'ያ ናብራ ጀሚራ። ምናልባት ናብ ኣላባማ እንተተመሊሳ ግን ከጋጥማ ዝኽእል ነገር ንስድርኣ ሻቕሎት ዘሕደረሎም ጉዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ጸብጻብ ኣሶሺየትድ ፕረስ የመልክተ።

ዓቃቢት ሕጊ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ሞንትጎመሪ ብወገና፤ ንሕቶ ክላውዴቴ ከምእትድግፎ ኣፍሊጣ'ላ።

መግለጺ ቪድዮ, ደም ትነብዕ ጓል ኣንስተይቲ