ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ብዙሓት ስደተኛታት ከምዝተቐየዱ ተገሊጹ

Published

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብቲ ምስ ሜክሲኮ ዘዳውባ ከባቢታት 1.7 ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዝቐየደት ገሊጻ።

እዚ ኣብ ሰነዳት እታ ሃገር ዛጊት ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።

ካብኣቶም እቶም ልዕሊ 1 ሚልዮን ናብ መክሲኮ ወይ ናብ መበቆል ሃገሮም ከም እተሰጎጉ’ውን ጸብጻባት ጉምሩኽን ሓለዋ ዶብን ኣመሪካ ይነግር።

ኣባላት ጸጥታ ካብ ልዕሊ 160 ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት እዮም ቀዪዶም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብፍላይ በቲ ንኢሚግሬሽን ዝምልከት ፖሊሲኡ ህቡብነቱ የንቆልቁል ከምዘሎ ዝተኣከበ ርእይቶታት የርእይ።

35% ኣመሪካውያን በቲ ፖሊሲ ሕጉሳት ምዃኖም፡ ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሸን፡ ዝያዳ ሰብኣዊ ዝኾነ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲ ክህልዎ ምዃኑ ተመባጺዑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዘመነ ስልጣን እቲ ደሞክራስኣዊ መራሒ: ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣብ ቅልውላው ተሸሚሙ ኣሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ክኣትው ዝፍትኑ፡ ካብ መክሲኮ፡ ጓቴማላ፡ ሆንዱራስን ኤል ሳልቫዶርን ዝብገሱ እዮም።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ እቶም ዝበዝሑ (64%) ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ኮይኖም ቆልዑ ዘይብሎም ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይነግር።

እንተኾነ ግና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 145,000 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝተረኽቡን እዚ’ውን ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑን ተገሊጹ።

ኣስታት 11,000 ካብቶም ቆልዑ ጌና ኣብ ናብዮት መንግስቲ ይርከቡ።

ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት ቢቢሲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ፎርት ብሊስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፥ ጾታዊ ዓመጽ፡ ናይ ኮቪድን ቍማልን ለበዳ፡ ዝጠመዩ ህጻናት ብግቡእ ዘይበሰለ ስጋ ከምዝቐርበሎምን እቲ ብቴንዳታት ዝተሰርሐ መጽለሊ ህቦብላ ሑጻ ከምዘጋጥሞን ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።

ሚስተር ባይደን ዝኣተዎ መብጻዓታት ንዋሕዚ ስደተኛታት ከምዘዕረጎ ሪፓብሊካውያን ይኸሱ።

ሚስተር ባይደን ናብቲ ዶባት ዑደት ዘይምግባሩ ሕቶታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።

ጸሓፊ ፕረስ ዋይት ሃውስ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ባይደን ኣብ 2008 ምኽትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንምዃን ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ እዋን በቲ ዶባት ብመኺና ከም ዝሓለፈ ተዛሪቡ።