ፖሊስ ጓቲማላ ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም ዝተገደፉ 126 ስደተኛታት ኣድሒኑ

Published

ፖሊስ ጓቲማላ ኣብ ኮንተይነር ተጸቓቒጦም ኣብ ወሰን ጽርጋ ዝተገደፋ 126 ስተኛታት ኣድሒኑ።

እቶም ኣብ መንጎ ከተማታት ኑዌቫን ኮካልስን ዝተገደፉ ስደተኛታት፡ ድምጺ ኣውያት ዝሰምዑ ነበርቲ ናብ ፖሊስ ምስኣመልከቱ እዮም ተረኺቦም፡፡

እቶም ስደተኛታት ብሜክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ከእትዉዎም ብዝኸፈሉዎም ኣዘዋወርቲ ዝተገደፉ ከምዝኾኑ እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ።

ካብቶም ስደተኛታት ልዕሊ 100 ዝኾኑ ካብታ ብቕልውላው እትሕመስ ዘላ ሃይቲ ዝመጹ እንትኾኑ፡ ካልኦት ድማ ካብ ሃገራት ኔፓልን ጋናን ዝመጹ ይርከቡዎም፡፡

ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ‘‘ ካብ ውሽጢ እቲ ኮንተይነር ኣውያትን ምኩኽኳሕን ሰሚዕና፡፡ ምስከፈትናዮ ድማ 126 ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ረኺብና’’ ኢሉ፡፡

በዓል መዚ ስደተኛታት ጓቲማላ ድማ እቶም ስደተኛታት ሆንዱራስ ኣቋሪጾም ከምዝኣተዉን፤ ተመሊሶም ንሰበስልጣን ሆንዱራስ ክወሃቡ ከምዝግበርን ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ሰብመዚ ሜክሲሰኮ፡ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘዋስን ከባቢ፡ 350 ህጻናት ዝርከቡዎም 652 ኣብ ተስሓቢ ዝተጽዓኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓሉ ገሊጾም ነይሮም፡፡

ብፍላይ ዜጋታት እታ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝተሃሰየት ሃይቲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስራሕ ንምርካብ ንህይወቶም ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ይገብሩ ኣለዉ፡፡

ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ጥራሕ ኣስታት 13 ሽሕ ሃይታውያን ኣብ ትሕቲ እቲ ቴክሳስን ሜክሲኮን ዘራኽብ ድልድል ተኣኪቦም ነይሮም፡፡

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣመሪካ ኣስታት 7500 ሃይታውያን ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰት ዓለም ለኻዊ ትካል ንስደተኛታት ገሊጹ፡፡