እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ኣብ ሃገራ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ኔቶ ደው ከምእተብሎ ኣፍሊጣ
ብመሰረት ካብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሩስያ ኣብ ኔቶ ትገብሮ ተሳትፎ ደው ከተብሎ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኔቶ’ውን ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚራ ናይ ስራሕ ፍቃድ ከምዘይትህቦም ገሊጻ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኔቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሸሞንተ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰለይቲ እዮም ብዝብል ካብ ስራሕ ደው ምሰ ኣበሎም እዩ።
ሩስያ ኣብ 2014 ንክረምያ ካብ ትቆጻጸሮ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኔቶን ዝነበረ ርክባት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክሽሕክር ጸኒሑ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሰርጌ ላቭሮቭ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሩስያ ከም ግበረ መልሲ ናይቲ ብኔቶ ዝተወሰደ ዝጉምቲ ምስጓግ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ነዚ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስዓብ “ኔቶ ኣብ ዝርርብ ዘይኣምን’ዩ። ህጹጽ ጉዳይ እንተሃልይዎም፡ ኣብ ቤልጂም ንዝርከብ ኤምባሲና ክውከስዎ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።
ንናይ ሩስያ ውሳነ ተኸቲሉ ውሃቢት ቃል ኔቶ ኦላ ሙንጉሳ “ኔቶ ኣብ ሩስያ ዘለዎ ኣጠማምታ ዝቅየር ኣይኮነን፤ ንዘተ ቅሩባት ኮይንና ነቲ ካብ ሩስያ ዘጋጥም ዘሎ ተጻብኦ ንምክልኻልን ንምግታእን እውን ድልዋት ኢና” ኢላ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ሀይኮ ማስ ነቲ ሩስያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ‘ህውከት’ ክብል ገሊጽዎ።
ሃይኮ ማስ “ሞስኮ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ንዘሎ ርክባት ዘዕኑን ዘጣዕስን’ዩ” ኢሉ።
ኔቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሸሞንት ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝሰጎጎሉ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበሩ ሩስያውያን ብፍርቂ ብምጉዳል ብዝሖም 10 ጥራይ እዩ ኣትሪፍዎም።