ጆ ባይደን ንኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, White House
Published
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዋይት ሃውስ (ቤተመንግስቲ ኣመሪካ) ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዙርያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ተሪር ምዃኑ ዝንገረሉ ዝምድና ከም ዝተዘራረቡ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቶም ፕረዚደንትታት ኣብ ርክቦም ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከብ ኣለዎ ንዝብል ከም ዘስመሩሉ ተገሊጹ።
ንዴሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ኣብ ምሕላው ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕነት ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ዘካይድኦ ተግባራት'ውን ተዘራሪቦም።
ብዘይካ'ዚ እቶም መራሕቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ብሓባር ንምግታእ ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍራይ ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕብባር ተመያይጦም።
ፕረዚደንት ባይደን ንሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፍርያት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ዝኾነ 17 ሚልዮን ክታበት ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኬንያ ክሳዕ ሕጂ 2.8 ሚልዮን ክታበታት ክትረክብ እንከላ፡ ተወሳኺ ናይ ፋይዘር ክታበት ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ንምቕባል ኣብ ምድላው ትርከብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
