ጽማቚ ቱፋሕ ሲሪስ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተኸልከለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ኣፕል ጁስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፈሪ ሲሪስ ዝተባህለ ዕሹግ ጽማቚ ቱፋሕ ኣብ ውሽጡ ልዑል መጠን ዘለዎ ንጥዕና ጎዳኢ ዝኾነ ንጥረ ነገር ስለ ዝተረኽቦ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዕዳጋ ክእከብ ከም ዝተገበረ ተገሊጹ።

በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ 'ሲሪስ ኣፕል ጁስ' ዝተባህለ ዕሹግ ጽሟቕ ቱፋሕ "ኣብ ውሽጡ ጎዳኢ ዝኾነ ካብ ምዕሳው ዝመጽእ መርዛም ኬሚካል ስለ ዝተረኽቦ" ሕብረተሰብ ከይጥቀም ክብል መምርሒ ሂቡ።

እዚ ኣብ ፍረታት ዘጋጥም ማይኮቶክሲን ካብ ዝብሃል ዕሳው ዝምንጩ ምዃኑ ብምሕባር ሕብረተሰብ ነዚ ምህርቲ ንከይጥቀም ምዒዱ ኣሎ።

ኣብ ቤተ ፈተነ ብዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ሲሪስ ዝተባህለ ምህርቲ ቱፋሕ ኣብ ሓደ ሊትሮ ክህልዎ ካብ ዝግባእ 50 ማይክሮ ግራም ልዕል ዝበለ መጠን ከም ዝተረኽቦ ተገሊጹ።

እዚ ውጽኢት ማይኮቶክሲን ዝኾነ ፓቱሊን ዝተባህለ ጎዳኢ ንጥረ ነገር ኣብ ቱፋሕን ምህርታት ቱፋሕን ብዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ናይ ምዕሳው ምልክታት ዘጋጥም ምዃኑ ሰብ ሞያ የረድኡ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ጽሟቕ ተረኺቡ ዘሎ ንጥረ ነገር ድማ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ተምላስን ዕውልውል ምባል ብምስዓብ ጸገም ጥዕና ከምዝፈጥር ተሓቢሩ።

እዚ ምህርቲ ኣብ ዕዳጋታት ኬንያ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ዛምቢያ፣ ዙምባብወ፣ ኡጋንዳ፣ ሲሸልስን ሞሪሽየስን ብብዝሒ ከም ዝሽየጥ ይግለጽ።

ዞባዊ ንግዲ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ [ኮሜሳ] ተጠቀምቲ እዚ ምህርቲ ዝኾና ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ፈርዮም ዝተዘርግሑ ምህርታት ሲሪስ ጽማቚ ቱፋሕ ካብ ዕዳጋ ኣውጺኦም ነቲ ኣፍራዪ ክመልሱዎም ጸዊዑ ኣሎ።