ስጳኛ፡ ካብ ሃገሩ ምንዝርና ንምጥፋእ ዝጉስጉስ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር

ቀዳማይ ሚኒስር ስፔን ፔድሮ ሳንቼዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቼዝ ኣመንዝራነት ብሕጊ ክእግድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ቫለንሻ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ 'እቲ ተግባር ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ባርነት ዝቕይር ዘሎ' ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ስጳኛ፡ ኣመንዝራነት ኣብ 1995 ከምኡ'ውን ኣብ 2016 ካብ 'ዘይሕጋዊ ተግባር' ዝብል መዝገበ ዝተሓኸኸ ኮይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝግምቶ፡ ኣብታ ሃገር በቲ ዓውዲ ኣስታት 4.2 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ይንቀሳቕስ።

ኣብ 2009 ዝተገብረ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ ድማ፡ ካብ 3 ደቂ ተባዕትዮ ስጳኛ፡ እቲ ሓደ ከፊሉ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ከምዝፈልጥ ይጠቅስ።

ኣብ 2011 ዝተሓተመ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ብደረጃ ዓለም እታ ሃገር ብምንዝርና ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝሰረዓ ዝዝከር እዩ።

ካልእ ኣመንዝራነት ብሰፊሑ ዝካየደለን ሃገራት ታይላንድን ፖርቶ ሪኮን እየን።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ስጳኛ ኣመንዝራነት ብሰፊሑ ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክሳብ ዘይኮነ፡ ገንዘብ ከፊልካ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ልሙድ ተግባር እዩ።

እቲ ተግባር ካብ መዝገብ 'ዘይሕጋዊ' ካብ ዝሕከኽ ጀሚሩ ንደሓር ኣዝዩ ከምዝሰፍሓን፡ ኣብ ስጳኛ ኣብዚ እዋን ብሓፈሻ 300 ሽሕ ብኣመንዝራነት ዝመሓደራ ደቂ ኣንስእዮ ከምዘለዋ ይእምን።

ሚስተር ሳንቼዝ፡ ኣብ መረጻ 2019 ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ንምርካብ፡ ምንዝርና ብሕጊ ክእግድ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ ናይ መረጻ 'ማኒፌስቶ' ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ማኒፌስቶ፡ 'ሽርሙጥና ኣብ ዓለም ንክብርን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ዘትሕትን ኣብ ልዕሊአን ዘሎ ሕሱም ድኽነት መግለጽን' ክብል ገሊጽዋ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ መረጻ ካብ ዝካየድ ንደሓር ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝወጽአ ሕጊ የለን።

ገለ ደገፍቲ እቲ ተግባር ግን፡ ብድኽነት ዝተሃስያ ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ብኡ ኣቢለን ክመርሓ ኣኽኢሉወን'ዩ ኢሎም ይሙግቱ።

እንተኾነ፡ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት እናኾነ ምምጽኡ ይዝረብ።

ኣብ 2017 ፖሊስ ኣብ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ስጉምቲ፡ 13 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ትግባር ዝተሳተፋ ክሕዝ እንከሎ፡ ካብኣተን 80 ሚኢታዊት ተገዲደን ብሳልሳይ ኣካል ጾታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዎን ይብል።