ፖሊስ ስፔን ብኣስራሕቶም ኣብ ውሽጢ መኽዝን ዝተሓብኡ ስደተኛታት ኣድሒኑ

ስፔን ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Spanish Nat'l Police

Published

ኣብ ስፔን ብዝተሓተ ክፍሊት ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ እናተገደዱ ኣብ መኽዘን ክሕብኡ ዝግበሩ ዝነበሩ 21 ስደተኛታት ፖሊስ ከምዘድሓኖም ተገሊጹ።

መረዳእታ ቪድዮ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ምስጢራዊ ክፍሊ ገዛ ብድሕሪ ክዳውንቲ ዝጸዓና ገዘፍቲ ዓረብያታት ክሕብኡ ዝተገበሩ ብዙሓት ስደተኛታት ነጻ ክወጽኡ ከለዉ የርእይ።

ነቲ ትካል ዝውንኑ ሓደ ኣቦ ምስ ክልተ ወዱ ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ እቲ ትካል ክዳውንቲ ብምትእኽኻብ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመሸጣ ኣብ ምክፍፋል’ዩ ዝነጥፍ።

እቶም ስደተኛታት ንስራሕ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ኩነታት መዓልታዊ ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ እናተገደዱ 2.40 ዶላር ጥራይ ከምዝኽፈሎም ሰበስልጣን ስፔን ሓቢሮም።

ኣባላት ፖሊስ ነቲ መኽዘን ኣብ ዝኸበቡሉ እዋን ድማ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኩሎም ሰራሕተኛታት ንኽሃድሙ ብዓውታ ስለዝኣዘዞም ገሊኦም ብሓጹር ዘሊሎም እንትሃድሙ ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ክሕብኡ ከምዝፈተኑ መግለጺ ሰበስልጣን እታ ሃገር የረድእ።

ፖሊስ ናብ ውሽጢ ምስኣተወ ከኣ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት ብድሕሪ ክዳውንቲ ዝጸዓና ገዘፍቲ ዓረብያታት ተሸጒጦም ከምዝረኸቦም ኣመልኪቱ።

እቲ ምስጢራዊ ክፍሊ፡ ነቶም ስደተኛታት ፖሊስ በብእዋኑ ካብ ዘካይዶ ተፍትሽ ንምሕባእ ዓሊሙ ከምዝተዳለወ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

“እቶም ኣስራሕቲ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ውሕስና ንዘይምሃብን ነነዊሕ ሰዓታት ኣገዲዶም ንኸስርሕዎምን ብዝብል ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት’ዮም ዝቖጽሩ” ኢሉ ፖሊስ።

ንተቓላዕነቶምን ንዝርከቡሉ ኣጸጋሚ ኩነታትን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብቲ ምቹእ ዘይኮነ ቦታ ከምዘስርሕዎም’ውን ገሊጹ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰለስተ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ተፈሊጡ’ሎ።