ኢትዮጵያዊ አትሌት ሰይፉ ቱራ ኣብ ውድድር ማራቶን ቺካጎ ተዓዊቱ

Published

ኣትሌት ሰይፉ፡ ጉያ ማራቶን ቺካጎ ብቐዳምነት ንምዝዛም 2 ሰዓት 06 ደቒቓን 12 ካሊትን ወሲድሉ።

እቲ ውድድር ማራቶን፡ ዓቢ ግምት ካብ ዝወሃቦም ውድድራት ዓለም ሓደ ከምዝኾነ እዩ ዝንገረሉ ።

ኣትሌት ሰይፉ፡ ኣብ ወደድድር ማራቶን ክዕወት ንሳልሳይ ግዚኡ እንትኸውን፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣቦት ጉያ ውድድር ማራቶን ከምዝተዓወተ መረዳእታት የመልክቱ።

ኣብዚ ውድድር ክዕወት እዩ ተባሂሉ ዓቢ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ፡ ኣመሪካዊ ጋለን ሩፕ፡ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ተባሂሉ።

ካብ 30 ኪሎሜትሮ ንደሓር፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝጎዩ ዝነበሩ ተወዳደርቲ ሓደ ዝነበረ ሰይፉ፡ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ እንትተርፍዎ፡ ንበይኑ ተነጺሉ ንቕድሚት ብምውጻእ ክመርሕ ክኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነቲ ውድድር ማራቶን ዓብሊሉ ተዓዊቱ።

ንሰይፉን ሩፕን ስዒቡ ሳልሳይ ዝወጽአ ኣትሌት፡ ኬንያዊ ኤሪክ ኪፕታኑ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ክሳብ መበል 25 ዙር ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓደ ዝነበረ ኢትዮጳያዊ ሺፈራ ታምሩ ድማ ሓምሻይ ኮይኑ ውደድድሩ ዛዚሙ።

ነቲ ወድድር ብቐዳምነት መሪሖም ካብ ዝወድኡ ኣትሌታት ሓሙሽተ ኣመሪካውያን፣ ክልተ ኢትዮጳያውያን ክልተ ከኣ ካብ ኬንያ እንትኾኑ ሓደ ጃፓናውኢ’ውን ነይሩ።

ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኬንያዊት ሩት ቼፕጌቲች ተዓዊታ’ላ። ሩት ነቲ ውድድር ንምዝዛም 2 ሰዓት 22 ደቒቓን 31 ሰከንድታት ወሲዱላ።

አሜሪካዊያን ማ ቤትስን ሳራ ሃልን ካልኣይቲን ሳልሰይተን ብምውጻእ ነቲ ውድድር ዛዚመን።

ካብ ዓሰርተ ተዓወትቲ ንሩት ሓዊሱ፡ ክልተ ኬንያውያን ኮይነን፡ ኢትዮጵያዊት መሠረት በለጠ ድማ ታሽዓይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ዛዚማ።