ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካይሮ ኣትዩ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ኣማስያኡ ካይሮ ከም ዝኣተወ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ብመሰረት'ቲ ብመንገዲ ኤክስ ዝወጸ ሓበሬታ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ንምዝርራብ እዩ።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ኣገደስቲ ጉዳያት ብዝያዳ ክዘራረቡ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣቶ የማነ፡ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን፡ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ብሰፊሑ ክዘራረቡሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጀነራላቱን ታሪኻውያን ጸላእትና ኣብ ስሳታት ዝጀመሩዎ ናይ ጽምዶ ወፍሪ ብባንዳታት ደቂ ሃገርን ሰላም ኢትዮጵያ ክዘርጉ ምስ ዝተዓጥቁ ሓይልታት ንዘካይድዎ ዘለው ርኡይ ተጻብኦ ክንሰብር ብምሉእ ዓቕምና ተዳሊና ኣለና ኣብ ዝብልሉ ዘለው ሳልስቲ እዩ ዝገይሽ ዘሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብዚ ቅንያት ብስም ከይጠቐሰ "ታሪኻውያን ጸላእቲ" ዝብል ክሲታት ከስምዕ ቀንዩ ኣሎ። ብወገን ኢትዮጵያ "ታሪኻውያን ጻላእቲ" ዝብል ኣበሃህላ ግን ንግብጺ ዘነጻጽር ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ዓብደልዓጢ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ንግብጺ ንኽበጽሕ ዕድመ ፕረዚደንቱ ኣብጺሑሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራን ግብጽን፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ኣስመራ ከም ዝፈረማ ተገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ግብጺ ናይ ሓሙሽተ መዓልታ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣ'ሲሲ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ይዝከር።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ጸጥታዊ ውሕስነት ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝተዘራረቡሉ እዋን ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ብደረጃ መራሕቲ ይዅን ምኒስተራት ጽዑቕ ርክባት ይካየድ ምህላው ይፍለጥ።

ኣብ መፋርቕ ምያዝያ እውን ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ ኤርትራ ምስ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ዕደናን ሓባራዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ነዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ዝግበር ዘሎ ምሕያል ዝምድናታት ብወገን ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ከምዘይጥመት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ብምባል ክትከስስ ተሰሚዓ እያ።

ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ኣስመራ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ፍሉይ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘይርከባ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተኣሳሰሩ ዝዀነ ይዅኑ ስምምዓት ናይ ምእታው መሰል ከም ዘይብለን ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኣብ ሕዳር 2025 ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ዶ/ር በድር "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ኣቘጢዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።