ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የሁዋላው ሓድሽ ክብረወሰን ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኣመዝጊባ

Published

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የሁዋላው፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊባ።

ጓል 22 ዓመት ያለምዘርፍ ነቲ ውድድር ብ63 ደቒቕን 45 ካልኢትን ዝዛዘመት ኮይና፤ ነቲ ቅድም ክብል ብኬንያዊት ሩት ቼፕንጌቲች ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ብ19 ካልኢታት ኣመሓይሻቶ'ላ።

እታ ኣትሌት ንምሉእ እቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ ናይ ክብረወሰን ናህሪ ኮይና ከምዝወደኣቶ ተፈሊጡ።

ካልእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጀማል ይመር ድማ ነቲ ብደቂተባዕትዮ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ብ60 ደቒቕን 29 ካልኢትን ብምዝዛም ተዓዊቱ።

እዚ ውጽኢት ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሌት ሞ ፋራህ ኣመዝጊብዎ ዝነበረ 60 ደቒቓ 27 ካልኢትን ብ 2 ካልኢት ጥራይ ይድንጉይ።

ያለምዘርፍ ኣብ መእተዊ ዓመተ 2021 ቱርክ-ኢስታንቡል ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ውድድር ንዘመዝገበቶ ሰዓታ ብ57 ካልኢት'ያ ኣመሓይሻቶ።

ካብቲ 21 ኪሎሜትር ርሕቐት ዘለዎ ውድድር ነተን ፈላሞት 5 ኪሎሜትር ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕን 05 ካልኢትን ብምጉያያ ብ8 ካልኢት ኣብ ውሽጢ ናይ ክብረወሰን ናህሪ ነይራ። ነቲ 15 ኪሎ ሜትር ኣብ ውሽጢ 45 ደቒቕን 24 ካልኢትን ምስጎየየት ከኣ ብ6 ካልኢት ነቲ ክብረወሰን ትመርሖ ነይራ።

ነተን ኣብ መወዳእታ ዝነበረ 6 ኪሎሜትር ርሕቐት ናህሪ ብዝተመልኦ ክትጎይይ ብምኽኣላ ነቲ ውድድር ክብረወሰን ብምምሕያሽ ክትዛዝሞ በቒዓ።

ንኬንያዊት ቫኔ ንያሞኬ ብ6 ደቒቕ ፈልያታ’ያ ነቲ ውድድር ዛዚማ። ካብታ ኬንያዊት ብ32 ካልኢት ዝደሓረት እንግሊዛዊት ሮዝ ሃርቨይ ከኣ ሳልሰይቲ ወጺኣ።