ማራቶን፡ ብሪጌድ ኮስጌ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣመዝጊባ

Published

ኬኒያዊት ብሪጌድ ኮስጌ ትማሊ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ ን 16 ዓመት ብእንግሊዛዊት ፓውላ ራድክሊፍ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ-ወሰን ማራቶን ሰይራ።

እዛ ጓል 25 ዓመት ኣትሌት፡ ብ2፡14፡04 ውድድራ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረ-ወሰን ከተመዝግብ ክኢላ እያ።

ኣብ 2003 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኢንግሊዛዊት ፓውላ፡ 2:15:25 ብምእታው፡ ክብረ-ወሰን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ተቖጻጺራቶ ጸኒሓ።

ብሪጊድ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ብ 2፡18፡20 ብምዝዛም፡ ተዓዋቲት እቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ እያ።

ኣብዚ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኢትዮጵያዊት ኣባበል የሻነህ ድማ፡ ብሽዱሽተ ደቒቕን 47 ካልኢትን ድሒራ ብምእታው ካልአይቲ ኮይና።

ዝሓለፈ ዓመት ብ 2፡18፡35 ሴኮንድን ውድድራ ብምዝዛም ዝተዓወተት ብሪጊድ፡ "ሕጂ ጽቡቕ ስምዒት'ዩ ዘለኒ፤ በዚ መልክዕ ውድድረይ ክውድእ'የ ዝብል ትጽቢት ስለ ዘይነበረኒ፡ ተሓጒሰ'የ" ኢላ።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝካየድ ውድድር፡ ሕጂ ብሪጊድ ብደቂ ኣንስትዮ ብዘመዝገበቶ ሰዓት ውድድሮም ዝወድኡ 22 ጎየይቲ ኮይኖም፡ ንሳ ዘመዝገበቶ ሰዓት ብ 1964 ብደቂ ተባዕትዮ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን'ዩ።