እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፊልም ጄምስ ቦንድ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ 5 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ረኺቡ
ዳኒኤል ክሬግ ዝዋሰአሉ ናይ መወዳእታ ፊልም ጄምስ ቦንድ ‘ኖ ታይም ቱ ዳይ’ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ኣብ ሲነማታት ዩናይትድ ኪንግደምን ኣየርላንድን ካብ 4.5 ክሳብ 5 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍረይቲ (ፕሮዲዩሰርስ) ገሊጾም።
እቲ ፊልም ናብ ተመልከትቲ ዝበጽሓሉ ግዘ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ብተደጋጋሚ ዝተናወሐ ኮይኑ፡ እቲ ፊልም በዝሒ ተመልካቲ ቅድሚ እቲ ለበዳ ናብ ዝነበሮ ክመልሶዶ ይኸውን ብዝብል ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይከታተልዎ ኣለዉ፡፡
እቲ ብሓሙስ ዝነበረ በዝሒ ተመልካቲ ካብቲ ናይ 2015 ፊልም ስፐክትረ ብ 13 ምኢታዊት ዝዛየደ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ 2012 ዝወጸ ፊልም ስካይፎል ግን ብ 26 ምኢታዊት ዝነከየ ከምዝኾነ ዩኒቨርሳል ፒክቸርስ ገሊጹ፡፡
እቲ ፊልም ኣብ ታሪኽ ሲኒማ ዩኬ ብሓደ ግዘ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብምኽፋት ክብረ ወሰን ከምዝሓዘ እውን እቲ ኣፍራዪ ሓቢሩ፡፡
ፊልም ‘ኖ ታይም ቱ ዳይ’ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደምን ኣየርላንድን ብሓሙስ ኣብ 772 ሲኒማቤታት ከምዝተኸፈተ ዝገለጸ ዩኒቨርሳል፡ ካብቲ ኣብ 2019 ክብረ ወሰን ሒዙ ዝነበረ ‘ስታር ዋርስ፡ ራይዝ ኦፍ ስካይዎከር’ ብ 25 ከምዝበልጽ ኣፍሊጡ፡፡
በዝሒ ተመልከትቲ ሲኒማ ዘጽንዕ ስትሪት ኣናሊቲክስ ድማ እቲ ፊልም ኣብ ፈላማይ ሰሙኑ 92 ምኢታዊት ሽፋን ቦክስ ኦፊስ ዩከይን ኣየርላንድን ከምዝሕዝ ግምት ኣቐሚጡ፡፡
ካብቶም ኣብ ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ መኽፈቲ መዓቲታት ነቲ ፊልም ክርእዩ ትኬት ዝገዝኡ 1.6 ሚልዮን ነበርቲ ዩከይን ኣየርላንድን ልዕሊ 30 ሽሕ ብሓሙስ ፍርቂ ለይቲ ነቲ ፊልም ርእዮምዎ፡፡
እቲ ፊልም ተመልከትቲ ናብ ሲኒማታት ክምለሱ ብምግባር ካብ ሻቕሎት ወጺአን ሩፍታ ክረኽባ ከምዝሕግዝ ብዙሓት ሰብሞያ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ፡፡
ናይ ዳኒኤል ክሬግ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ፊልም ጄምስ ቦንድ ዝኾነ ኖ ታይም ቱ ዳይ፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ኣብ መላእ ዓለም 90 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክረክብ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ፡፡
እቲ ፊልም ኣብ ደቡብ ኮርያ ብረቡዕ ዝተኸፈተ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ኣብ ዩኬ፣ ኣየርላንድ፣ ብራዚል፣ ጀርመን፣ጥልያንን ኔዘርላንድን ተኸፊቱ፡፡ ኣመሪካውያን ኣፍቀርቲ ሲኒማ ግና ክሳብ 8 ጥቅምቲ ክጽበዩ እዮም፡፡