ቀንዲ ኣተሓባባሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ

Published

ኣብቲ ኣብ 1994 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝተፈጸመ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ዝተቐተሉሉ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ብዝነበሮ ተራ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ በዓል ስልጣን ነበር ርዋንዳ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ሞይቱ፡፡

እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፤ ካብ ፍሉጣት መራሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ሓደ ዝነበረ ኮሎኔል ቲዮነስተ ባጎሶራ፡ ኣብ ቤት ማእሰር ማሊ እዩ ኣብ 80 ዓመቱ ሞይቱ፡፡

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መጋባእያ ገበን ንማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ፈሪድሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጸኒሑ ግን ናብ 35 ዓመት ተቐይሩ።

ኣብቲ ንኣስታት 100 መዓልታት፡ ብቐንዲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዓሌት ቱትሲ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፡፡

ኣብ 6 ሚያዝያ 1994 ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ጂቨናል ሃብያሪማና ዝርከቦም ሰባት ኣሳፊራ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ተወቒዓ ምስ ወደቐት፡ ኩሎም ተሳፈርቲ ድሕሪ ምሟቶም እዩ እቲ ጨፍጫፍ ተጀሚሩ፡፡

ብፖል ካጋሜ ዝምራሕ ፓትርዮቲክ ፍሮንት ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ካብ ርዋንዳ ዝሃደመ ኮሎኔል ባጎሶራ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ካሜሩን ተታሒዙ፡፡

ኣብ 2008 ድማ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ገበን ንርዋንዳ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ንቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣጋቲ ኡዊሊንጊዪማና ሓዊሱ ንቕትለት ብዙሓት ፖለቲከኛታት ብምውህሃድ ገበነኛ ኮይኑ ረኺብዎ፡፡

ንሱ ግና ግዳይ ፕሮፖጋንዳ እቲ ብዓሌት ቱትሲ ዝዕብለል መንግስቲ ከምዝኾነ ኣብቲ መጋባእያ ብተደጋጋሚ ይምጉት ነይሩ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ፡ ሓላፊ ኣኽባሪ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ካናዳዊ ጀነራል ሮምዮ ዳሌር፡ ነቲ ኮሎኔል ‘‘ቀንዲ መዘወር’’ እቲ ጨፍጫፍ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ ‘ክቕትለካ እየ ’ ኢሉ ከምዘፈራረሖ እውን ተዛሪቡ፡፡

እቲ ተኸሳሲ ኣብ ፈለማ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተፈሪድዎ ዝነበረ ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግና ገለ ከስታት ተላዒሎም ናብ ማእሰርቲ 35 ዓመት ተቓሊልሉ፡፡

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ክፍታሕ ዘቕረቦ ሕቶ ዝተነጸጎ ኮሎኔል ባጎሶራ፡ ድሕሪ 9 ዓመት እዩ ፍርዱ ክውድእ ነይሩ፡፡

ንሱ ኣብ ማሊ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮውሊኮሮ ምስ ካልኦት ኣብ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ብዝነበሮም ግደ ዝተፈረዶም ሰባት ተኣሲሩ ጸኒሑ፡፡