ኮቪድ-19፡ ደቂ-ኣንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዘይተኸትቡ ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ-ርክብ ከይገብራ ተማዒደን

Published

ሓንቲ ብኩነታት ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዝተሻቐለት ብዓልቲ መዚ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ዘይተኸትቡ ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ-ርክብ ምግባር ክኣብያ ጸዊዓ ክብላ፡ ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢረን።

ሓላፊት ጥዕና ዞባ ምብራቓዊ ኬፕ ኖማኮሳዛና መስ፡ ብፍላይ ንዘይተመርዓዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሃበቶ ማዕዳ "'ብዘይክታበት ጾታዊ-ርክብ የለን' ምባል ጽቡቕ ሓሳብ ይመስለኒ" ኢላ ክብል፡ ደይሊ ማቭሪክ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ክታበት ዝወሰዱ ደቂ-ተባዕትዮ ትሕቲ ቁጽሪ ናይተን ክታበት ዝወሰዳ ደቂ-ኣንስትዮ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ያ እታ ብዓልቲ ስልጣን ነቲ ሓሳብ ኣቕሪባ።

ኣስታት 62 ሚእታዊት ናይቲ ክታበት ዝወሰደ ዝበዝሐ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ናይቲ ዞባ ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግን 38 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝተኸትቡ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይቲ ዞባ ከምዝተኸትበን፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ እቲ ቁጽሪ ብዕጽፊ ወሲኹ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ድማ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሰባት ንምኽታብ ትጽቢት ይግበር።

ቁጽሪ ናይቶም ነቲ ክታበት ዝወስዱ ዘለዉ ደቂ-ተባዕትዮ "ኣዝዩ ትሑት'ዩ" ዝበለት እታ ብዓልቲ መዚ፡ "ቅኑዕ ስጉምቲ ክወስዱ" ኣተባቢዓ።

ኣብቶም ደቂ-ተባዕትዮ ዘዘውትርዎም ኣብያተ መግብን መስተን፡ መዘናግዒ ቦታታትን ብምኻድን ምስ ልምዳውያን መራሕቲ ብምትሕብባርን ጎስጓሳት የካይዱ ምህላዎም'ውን ጠቒሳ።

ስለምንታይ ደቂ-ተባዕትዮ ነቲ ክታበት ክሳዕ ክንድ'ዚ ከምዝተሓሰምዎ ንምፍላጥ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ይካየድ ምህላዉ ድማ ገሊጻ።

ብሃገር ደረጃ፡ 14 ሚእታዊት ህዝቢ'ታ ሃገር ክኽተብ እንከሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ 67 ክብ ክብል መንግስቲ ውጥን ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ኣብያ ጾታዊ-ርክብ፡ ተሓለቕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝጥቀማሉ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ይግለጽ። ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ደቡብ ሱዳን፡ ላይበርያን ካልኦት ሃገራትን ስልጣን ዝበሓቱ ደቂ-ተባዕትዮ ሰላምን ጸጥታ ክሳብ ዘረጋግጹ ጾታዊ-ርክብ ከይረኽቡ ይጉስጉሳ ምንባረን ጸብጻባት የረድኡ።