እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትርያ፡ ናይ ጡሮታ ገንዘብ ከይቋረጾ ሬሳ ኣዲኡ ኣብ መኽዘን ዝሓበአ ውልቀሰብ
ሓደ ኣውስትርያዊ ንወላዲቱ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ጡሮታ ገንዘብ ከይቋረጾ፡ ንኣስከሬን ኣዲኡ መጻንሒ መድሃኒት ብምግባር ኣብ ትሕቲ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዘቐመጦ ፖሊስ ሓቢሩ።
ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዝነበራ ዝተገለጸ እታ ጓል 89 ዓመት፡ ብባህርያዊ ኩነታት ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ከም ዝሞተት ይግመት።
ወዲ 66 ዓመት ወዳ ነቲ ሬሳ ኣብ በረድ ኣእትዩ፡ ጨና ከም ዘየውጽእ ጌሩ ብምዕሻግ ከም ዝኸዘኖ ተገሊጹ።
በዚ ድማ ኣስታት 50000 ዩሮ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኸፊሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ፖሊስ ገሊጹ።
እቲ ተግባር ክቃላዕ ዝኸኣለ፡ እቲ ንመልዕሎ እታ ሰበይቲ ከብጽሕ ናብቲ ከባቢ ዝተንቀሳቐሰ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት ፖስታ ነታ ሰበይቲ ክርእያ ዘቕረቦ ጠለብ ምስ ተነጸገ ምዃኑ ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ፖሊስ እቲ ሓበሬታ ምስ በጽሖ መርመራ ከም ዝገበረን ነቲ ዘሰንብድ ነገር ከም ዝረኸበን ሓቢሩ።
ንሓንቲ ማእከን ዜና እታ ሃገር ዝተዛረበ ኣባል ፖሊስ ሄለሙት ጋፈለር፡ እቲ ሰብኣይ ካልእ ኣታዊ ከም ዘይነበሮን ነቲ ኩነታት ንሰብ መዚ እንተሓቢሩ እቲ ክፍሊት ክቋረጽ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ተላዒሉ ነቲ ሬሳ ከምዝኸዘኖ ገሊጹ። እዚ ድማ ንመቕበሪ ኣዲኡ ኮነ ነቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛ ንምኽፋል ጸገም ከም ዝፈጥረሉ’ውን ተዛሪቡ።
እቲ ጥርጡር ወሲኹ፡ ወላዲቶም ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረላ ከም ዘሎን ክተለልዮ’ውን ስለ ዘይትኽእል መጺኻ ምብጻሕ ከም ዘየድልያን ንሓው ከም ዝነገሮ ማእከን ዜና ኦኣርኤፍ ጸብጺቡ።