እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕያሽ ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት ንድሕሪት ከይመልሱ ዘስግኡ ሓደሽቲ መምርሕታት
ድሕሪ እቲ ብ1997 ዓ.ም ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ መንግስቲ ነቲ ብሕግን ምምሕዳራዊ ጸቕጥታትን ተዳኺሙ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ሲቪል ማሕበራት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ይግለጽ።
ነዚ መሰረታዊ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝጽርሑ ምኽንያታት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተመሓየሸ ንሲቪል ማሕበራት ዘመሓድር ኣዋጅ ይርከቦ።
ከምኡ'ውን "መንግስቲ ነቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ኣብ ክንዲ ከም ጸላኢ ምርኣይ ከም መሻርኽቲ ናይ ምውሳድ ፖለቲካዊ ለውጢ ምግባሩ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተርኣየ ለውጢ ግደ ኣለዎ" ዝብሉ ኣለዉ።
ሓደሽቲ መምርሕታት ኣብቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ቁጠዐን ስግኣትን ኣለዓዒሎም ኣለዉ።
ነዚ ኣዋጅ ንምፍጻም ክጸድቁ ትጽቢት ዝግበረሎም 17 መምርሕታት ኮይኖም ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ጸዲቖም።
ነዚ ጉዳይ ብቕርበት ይከታተሉ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ በዓል ሞያ ሕጊ ደበበ ሃይለገብርኤል፡ እዞም ኣካታዕቲ መምርሕታት ነቲ ዋና ሕጊ፣ ዕላማን ግልጺ ድንጋገታትን ዝጻረሩ ከምኡ'ውን እቲ ዝጸደቑሉ መስርሕ ሕጊ ዘይተኸተለ እዩ ይብል።
ንልዕሊ 50 ዓመታት ብዝተገበረ ጸቕጢ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጸደቐ ምምሕዳር ስነ-ስርዓት ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ መስርሓት ከም ዝተርኣዩ ድማ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
"ብመሰረት እቲ ሕጊ ምምሕዳር፡ ዝኾነ ሕጊ ቅድሚ ምጽዳቑ ንርኢቶ ኣብ ድሕረ ገጽ ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ ወግዓዊ ክገብሮ ይግባእ ኔሩ" ይብል።
ኣቶ ደበበ ኣብ ምርቃቕ ሕጊ ሲቪል ማሕበራት ተሳቲፉ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ጉዳይ ሲቪል ማሕበራት ዝሰርሕ ኣይሲኤንኤል ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ብብርኪ ረቂቕ ካብ ሞንጎ ዘለዉ መምርሕታት ኣብቶም ክልተ ዘዳለዎ ትንታነ ተዓዚቡ።
እዚኦም፡ ናይ ሲቪል ማሕበረሰብ ትካላት ምዝገባ ምምሕዳር፣ ዝካየድ ክትትል፣ ቁጽጽርን መርመራን ዝጥምቱ'ዮም።
ቁጽጽር መንግስቲ
ዕላማ ነዞም ማሕበራት ንምቁጽጻር ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ ነጥብታት፡ "ኣሰራርሓ እቶም ትካላት ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ ልዑል ረብሓ ዘርክብ ምዃኑ ምርግጋጽ" ዝብል እቲ ሓደ እዩ።
ኣብዚ ብፍላይ "ልዑል ረብሓ'' ንትርጉም ዝተቓልዐን ንሲቪል ማሕበራትን ከምኡ'ውን ነቲ ኤጀንሲ ንክትትልን ንምልካዕን ዘጸገም ምዃኑ እቲ ሰነድ የረድእ።
ከምኡ'ውን ሕግታት ግልጺ ብዝኾነ ቋንቋ ክጽሓፉ ከም ዝግባእ ዝድንግጉ ዓለም ለኸ ድንጋገታት ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ብምባል ይነቅፍ።
"እቲ ኤጀንሲ ትካላት ስራሕቶም ብመሰረት ሕጊ ምፍጻሞም ንምርግጋጽ ኣድላይ ኮይኑ ምስዝረኽቦ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብስሩዕ ክትትልን ቁጽጽርን ምግባር ይኽእል" ክብል እቲ መምርሒ ኣብ ዓንቀጽ 6 ይድንግግ።
ብፍላይ "ብዝኾነ ይኹን መንገዲ" ዝብል ሓረግ ነቲ ኤጀንሲ ኣዝዩ ሰፊሕን ንትርጉም ክፍቲ ዝኾነ ስልጣን ዝህብን ንዘይሕጋዊ ኣካይዳታት መገዲ ዝኸፍት እዩ ይብል።
ከምኡ'ውን ንዕላማ ክትትልን ቁጽጽርን ክበሃል፡ እቲ ኤጀንሲ ዝተፈላለዩ ረቛሕታት መሰረት ብምግባር ትልሚ ቁጽጽርን ክትትልን ከም ዘውጽእ ይድንግግ።
እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንልዕሊ 3500 ሲቪል ማሕበራት ንዝቆጻጸር ኤጀንሲ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ ይብል ኣይሲኤንኤል ዘዳለዎ ሰነድ።
"ካልኦት ካብ ትካላት መንግስትን መንግስታዊ ዘይኾኑን ብዝተፈላለዩ መገድታት ዝርከቡ ሰነዳትን መረዳእታትን መሰረት ብምግባር ይፍጸም" ይብል።
እዚ ድማ እቲ ኤጀንሲ ስነ ስርዓት ሕጊ ዘይተኸተሉ ወይ ድማ ዘይሕጋዊ መስርሓት ብምኽታል ዝረኽቦም መረዳእታት ንክጥቀም መገዲ ዝኸፍት፣ ንዓለምለኻውን ሃገራውን ሕጊ ዘይተኸተለ ኣካይዳ እዩ ብምባል ይነቅፍ።
"መርመራ ከም ዝካየድ ወግዓዊ ምግባሩ፡ እቲ ኤጀንሲ ንመሰርሕ እቲ መርመራ የተዓናቕፎ'ዩ ኢሉ እንተድኣ ኣሚኑ፡ ነቲ ጉዳይ ብሚስጥር ብምትሓዝ ሃንደበታዊ ምርመራ ከካይድ ይኽእል'ዩ" ዝብል መምርሒ'ውን ኣግባብነት ምስ ዘይብሎም ድንጋገታት ተመዲቡ።
ብፍላይ ድማ ምስ ድንጋገታት ቻርተር ሰብኣውን ናይ ህዝብን መሰላት ኣፍሪቃ ዝጻረር እዩ ብምባል እቲ ሰነድ ነቒፉ።
ኣይተ ደበበ፡ ምዝገባ ዋና ኣዋጅ ዝምልከት ዝርዝር ረቛሕታት ከም ዘቐመጠ ይዛረብ።
እዞም መምርሕታት ብፍላይ ክልከላ ዝመስሉን ተወሳኺ ቅድመ ኩነታት ከም ዘቐመጡን እቲ በዓልሞያ ሕጊ ይገልጽ።
ገሊኦም ክሳብ ነቲ ኣዋጅ ምጽራር ከም ዝበፅሑን እዚ ድማ ከም ዘሻቕልን የረድእ።
ነዚ ከም ኣብነት ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ንምዝገባ ኣድለይቲ ብዛዕባ ዝኾኑ ሰነዳት ዝድንግግ ኣብ ዓንቀጽ 5/3 ዝሰፈረ ድንጋገገ ይጠቅስ።
እዚ፡ ንምዝገባ ክቐርብ ብዛዕባ ዝግባእ ቃለ ጉባኤ ክድንግግ እንከሎ፡ "ካልኦት ዘድልዩ ጉዳያት ዘካተተ ኮይኑ" ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ኣግባብ ዘይኮነ ቅደመ ኩነት ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዋና ሕጊ ዘይተደንገጉ ሓደሽቲ ሕግታት፡ ነዞም መምርሕታት ሒዞም ከም ዝመጽኡ ኸኣ፡ እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ይዛረብ።
ንምዝገባ ኣብ ዝምልከት መመርሒ ንራእይ፣ ዕላማን ሸቶን ዝምልከቱ ድንጋገታት ዝተወሰኹ ኮይኖም ኣብቲ ዋና ኣዋጅ ግን ነዚ ዝምልከት የለን ኢሉ።
እቲ ኤጀንሲ እንታይ ይብል?
ምክትል ዳይሬክተር ኣይተ ፋሲካው ሞላው፡ እቲ ኤጀንሲ እቶም መርሕታት ቅድሚ ምጽዳቖም ዝተፈላለዩ ዘተታት የካይድ ከም ዘሎን ንዝቐረቡ ቅርታት ከም ዘተአናግድን ተዛሪቡ።
ዛጊድ ኣርባዕተ መምርሕታት ክጸድቁ እንከለው፡ ሓደ መምርሒ ቦርድ ንከጽድቖ ከም ዝቐረበ ሓቢሩ።
ንወፃእታት ምምሕዳር ዘመሓድር፣ ባጀት ሲቪል ማሕበራት ዘመሓድር፣ ንማሕበራት ሞያ ዘመሓድር ከምኡ'ውን ሒሳብ፣ ንብረትን ዕድጊትን ዝምልከቱ መምርሕታት ጸዲቖም ኢሉ።
ንህዝባዊ ወፈያ ዝምልከት መምርሒ'ውን ብቦርድ እቲ ኤጀንሲ ክጸድቕ ከም ዝቐረበ፣ ሓሙሽተ መመርሕታት ይዝተየሉ ከም ዘሎን፡ ካልኦት ሸሞንተ መመርሕታት ከኣ ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡ ኣይተ ፋሲካው ሓቢሩ።
መዛዘሚ
ኣዋጅ ሲቪል ማሕበራት እታ ሃገር ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምምሕያሽ ተገይርሉ።
ኣዋጅ ሲቭክ ማሕበራት ዝበዝሕ ፍልፍል ሃፍተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከተኣኻኽባ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣስገዳድ ምስ ተመሓየሸ ከኣ ኣብቲ ዓውዲ ምንቕቓሕ ፈጢሩ'ዩ።
እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ማሕበራት ንስራሕ ዘድልየን ገንዘብ ካብ ዝኾነ ሕጋዊ ፍልፍል ፋይናንስ ንኽረኽቡ ዘኽኣለ እዩ ይብል ኣይተ ደበበ።
እዚ ኣብ ጽርየት ሓይሊ ሰብ ከምኡ'ውን ሲቪል ማሕበራት ኣብ መሰላትን ዲሞክራስን ክሰርሓ ከም ዘኽኣለን ተዛሪቡ።
እዚ ሕጊ ቅድሚ ምውጽኡ 1800 ሲቪል ማሕበራት ኣብ ስራሕ ነይረን፤ ሕዚ ግና እዚ ኣሃዝ ናብ 3500 ክብ ኢለን ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።
እዚ ኣዋጅ ዋላ'ኳ ብብርኪ ፌደራል እንተወጽአ ክልላት ተመሳሳሊ ሕጊ ዘይምውጽአን፡ እቲ ምምሕያሽ ልዕሊ እቲ ዝተሓሰበ ከይስጉም ማሕለኻ ኮይኑ ይብል ኣይተ ደበበ።
ግንዛበ ብዘይምህላዉ ኣብ ዝተፈላለዩ መሓውራት መንግስቲ ብዘሎ ጸገም ኣረዳድኣን ምምሕዳራዊ ጸገማትን ከም ዘጋጥሙ ተዛሪቡ።
እዞም፡ ነቲ ምምሕያሽ ናብ ድሕሪት ይመልሱ'ዮም ዝተባህሉ መምርሕታት ኣብ ዘለውዎ ዝጸድቁ እንትድኣ ኮይኖም፡ ልዑል ስግኣት ዘሕድሩ እዮም ኢሉ።
"ገለ ትካላት ስግኣት ስለ ዘለዎም ኣብ ዘይጸደቑ መምርሕታት ክዝትዩ ከም ዝሓሰቡ ተረዲአ። ከምኡ'ውን ብመሰረት ኣዋጅ ምምሕዳር ክሳብ ቤት-ፍርዲ ናይ ምኻድ ዕድል ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ነገራት ኣለዉ። ገሊኦም በዚ እንተድኣ ቀጺሎም ናብ ሞጎት ቤት-ፍርዲ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ዘመልክቱ ነገራት ኣለዉ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣይተ ፋሲካው፡ ንልዕሊ 50 ጥምረታት ሲቪል ማሕበራት ብምእካብ ነቲ ረቂቕ ክምልከቱን ከምኡ'ውን ርኢይቶኦም ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝእክቡ ተዛሪቡ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝለዓሉ ሓሳባት ከም ዝምዝገቡን ኩሉ ንምምሕያሽ ከም ዝፍትኑን ተዛሪቡ።
"ዘይንቕበሎ ሓሳብ እንተልዩ'ውን ብግልጺ ክነቐምጦ ኢና፤ እዚ ድማ ኩሉ ተመዝጊቡ ናብ ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ ንክለኣኽ ይገብር" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ንኖርወጅያን ረፊዩጂ ካውንስል፣ ዶብ ኣልቦ ሓኻይምን ኣልማክቱምን ናይ ዝበሃሉ ሰለስተ ሲቪል ማሕበራት ፍቓድ ኣጊዱ'ዩ።
ነዚ ሓዊሱ ኣብ ሲቪል ማሕበራት ናይ ቅዋም ለውጢ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣፋፍኖት ከም ዝተርኣዩን ስክፍታታት ከም ዘለዉን ኣይተ ደበበ ይዛረብ።
ኣይተ ፋሲካው ብወገኑ፡ መንግስቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ከም ዝኣምንን ዝኾነ ዓይነት ሓርፋፍ ርክብ ከም ዘየለን ይገልፅ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም መምርሕታት ጥጡሕ ኩነታት ስራሕ ንክፍጠር ከምኡ'ውን ብሕግን ስርዓትን ዝምራሕ ዘፈር ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ ኢሉ።
ኣብቶም መምርሕታት ነዚ ዝቃወም ተኻቲቱ እንተኾይኑ ድማ፡ ቅድሚ ምፅዳቖም ከም ዝመሓየሽ፡ እቲ ሓላፊ ንቢበሲ ተዛሪቡ።