ኣብ ደሴት ላምፐዱስያ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ከምዝድሓኑ ተፈሊጡ

Published

እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተገበረ ናይ ምድሓን ስራሕቲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ደሴት ጣልያን ብብዝሒ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኮይኑ ተመዝጊቡ። ካብቶም ዝድሓኑ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ’ሎ።

ገለ ካብቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብመገዲ ባሕሪ ሜድትራንያን ተጓዒዞም ዝኣተዉ ስደተኛታት ናይ ቁጥዐ ባህርያት ከምዝተርኣዮም ተሓቢሩ። ጠበቓታት ጣልያን እንታይ ከምዘጋጠሞም ንምፍላጥ ምርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቁጽሮም ዘይንዓቕ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኮይኖም ናብ ኣውሮፓ ንኽሳፈሩ ምድላዋት ይገብርሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ሰራሕተኛ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዶ/ር ኣሊዳ ሰራቸሪ ገሊጻ።

እቶም ስደተኛታት ብናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጣረታት ስለዘሎ መርመርቲ ምጽራይ ይገብሩ ከምዘለዉ ዘቤታውያን ማዕኸን ዜና ኣቃሊሔን።

ክልተ መራኽብ ሓለዋ ገምገም ባሕርን ሓንቲ ናይ ጉምሩክ ጀልባን ነቶም ስደተኛታት ተቐቢለን ናብ ደሴት ላምፐዱስያ ኣብጺሔንኦም። ከንቲባ እታ ደሴት ቶቶ ማርቴሎ ነቲ ምድሓን ስደተኛታት “ኣብ ቀረባ ግዜ ብብዝሒ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቲ ሓደ’ዩ” ኢልዎ።

ላምፐዱስያ ናብ ኣውሮፓ ክኣትዉ ንዝደልዩ ስደተኛታት እታ ቀንዲ መሳገሪት ወደብ ከምዝኾነት ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ጣልያናዊት ደሴት ላምፐዱስያ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

እታ ደሴት ካብ 300 ንዘይበዝሑ ስደተኛታት ዘዕቁብ ንእሽቶ መዓሰከር ኣለዋ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን 5 ዕጽፊ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣዕቝባ ትርከብ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ኣብቲ ዝረስሐ ጽርግያ ተበታቲኖም ይረኣዩ።

መብዛሕቲኦም ናብ ላምፐዱስያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንዕቑባ ካብ ዘየማልኣ ሃገራት ከምዝመጽኡ ይግለጽ።