ከተማ ውሃን፡ ን 11 ሚልዮን ህዝባ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ክተካይድ እያ

Published

ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ውሑዳት ሰባት ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦም፡ እታ ከተማ ንኹሎም ነበርቲ ምርመራ ከምእትገብረሎም ሰብ መዚ ገሊጾም፡፡

እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንፈለማ እዋን እያ ሸውዓተ መልከፍቲ ኮቪድ-19 መዝጊባ ዘላ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ 2019 ንፈለማ እዋን ኣብታ 11 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ውሃን እዩ ተራእዩ።

ድሕሪ ኣዋርሕ ሓድሽ ምግፋሕ አቲ ቫይረስ እትርእይ ዘላ ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲታት 300 መልከፍቲ መዝጊባ ኣላ።

በቲ ሓድሽ መልከፍቲ 15 ግዝኣታት ቻይና ዝተጠቓዓ እንትኾን መንግስቲ ድማ ብዝሒ ምርመራን ዕጽዋን ክእውጅ ተገዲዱ ኣሎ፡፡

እቲ ሓድሽ ረኽሲ እቲ ዴልታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሌት ኮሮናቫይረስን ቱሪዝም ውሽጢ ዓድን ዘበገሶ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ፡፡

ቻይና ትማሊ ሰሉስ 90 ሓደሽቲ መልከፍቲ ምርካባ ስዒቡ እዩ፡ ከተማ ውሃን ንኹሉ ህዝባ ክትምርምር ወሲና ዘላ፡፡

እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዕዉት ስራሕ ሰሪሓ እያ።

ኮይኑ ግና እዞም ኣብ ሰራሕተኛታት ውዕዉዕ መገዲ ኣየር ናንጂንግ ዝተርኣዩ መልከፍቲታት ሻቕሎት ፈጢሮም ኣለዉ፡፡

ሰብመዚ ን 9.2 ሚልን ነበርቲ ቤጂንግ ሰለስተ ጊዜ ምርመራ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዕጽዋ ኣዊጆም እዮም፡፡

እቲ ሓድሽ ለብዒ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና ቤጂንግ እውን ዝተኸሰተ ኮይኑ፡ ካብ ደገ ዘይኮኑ መልከፍቲታት ተመዝቦም እዮም።