እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ክጋጠማ’የን
ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ካብ 17 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ምድብ ክልተ ዝተገለፋ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንካልኣይ ግዜ ሎሚ ጸወታ ከካይዳ እየን።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ሰለስተ ምድብ ዝተመደባ ትሽዓተ ሃገራት እየን ዝሳተፋ ዘለዋ።
ብመሰረት ኣቀዲሙ ዝወጽአ መደብ፡ ካብ ምድበን ቀዳሞት ኮይነን ዝወጽአ ብቀጥታ ክሓልፋ እንከለዋ ካብተን ካብ ምድበን ካልኣይ ኮይነን ዝዛዘማ ሰለስተ ሃገራውያን ጋንታታት ኸኣ እታ ዝሓሸ ነጥቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ዝቅጽል ምድብ ትሓልፍ።
ካብቲ ኡጋንዳ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝነበረኦ ቀዳማይ ምድብ፡ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ብኣርባዕተ ነጥቢ ቀዳማይቲ ኮይና ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሰጊራ።
ካብቲ ብሩንዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረኦ ካልኣይ ምድብ ኸኣ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ብኣርባዕተ ነጥቢ ከትሰግር እንከላ ካብቲ ኬንያ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ዝነበረኦ ሳልሳይ ምድብ ኸኣ ኬንያ ብሽዱሸተ ነጥቢ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሰጊራ።
ደቡብ ሱዳን ድማ ሰለስተ ነጥቢ ብምውህላል ነተን ካብ ምድብ ሓደን ክልተን ካልኣይ ኮይነን ዝዛዘማ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ኢትዮጵያን በሊጻ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሰጊራ።
ጅቡቲ ኣብ ክልተ ናይ ምድብ ጸወታ ኣብ ክልቲኡ ተሳዒራ ካብዚ ውድድር ብቀጥታ ክትግለፍ እንከላ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻሙናይ ደረጃ ንምሓዝ ዳግማይ ጸወታ ከካይዳ እየን።
እዚ ሎሚ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ዝተራእየ ኣወዳድባ ሴካፋ ብዙሓት ተንተንቲ ስፖርት ዘይንቡርን ቅድሚ ሕጂ ዘይተራኣየን ምዃኑ እዮም ዝገልጽዎ ዘለዉ።
ብመሰረት ሴካፋ ዘርጊሑዎ ዘሎ ሰሌዳ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ሰዓት 11:45 [5፡45 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቅድሚ ቀትሪ ጸወታ ክህልወን እዩ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ናይ ምድብ ጸወታ ኣካይደን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሱሌማን ሃትሪክ ኣብ ዝሰርሓሉ ጸወታ 3 ማዕረ ተዛዚሙ ነይሩ።
ሎሚ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ’ውን ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን'ውን ክራኸባ እየን።
ጽባሕ ኸኣ ሃገራውያን ጋንታታት ታንዛንያን ደቡብ ሱዳንን ከምኡ’ውን ብሩንዲ ኣንጻር ኬንያ ንዋንጫ መን ሓለፈ ጸወታ ክህልወን እዩ።
ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓረት ምስ ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳን ዲሞክራስያዎት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝሰዓረት ንሓሙሻይ ደረጃ መን ወጽአ 28 ሓምለ 2021 ክጻወታ እየን።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እተን ክልተ ዝተሰዓራ ከኣ ንሻውዓይ ደረጃ ክጋጠማ እየን።