ድምጻዊ ኣር ኬሊ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺምካ ብዝብል ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ውሩይ ደራፊ ኣብ 2006 ኣብ ቺካጎ ቤት መግቢ ማክዶናልድ ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመሉ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ።
ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ነሓሰ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበሉ ክስን ካልኦት ዝድለየሎም ግን ድማ ብክሲ ደረጃ ብዛዕባ ዘይቀረብሉ ጉዳያት መርትዖታት ክሰምዕ’ዩ።
ኣር ኬሊ ግን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዝፈጸምኩዎ ገበን የለን ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ ጠበቓታቱ’ውን እንተኾነ ኣብቲ ዝቐረበሉ ሓደሽቲ ክሲ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
ተዓዋታይ ሽልማት ግራሚን ብናይ መዝገብ ሽሙ ሮቦርት ኬሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዚ ውሩይ ድምጻዊ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ልዕሊ ህጻዉንቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ንዓቕመ ኣዳም ናይ ዘይኣኸሉ ሰባት ምስሊ ብምቅላዕ ከምኡ'ውን ብምትላልን ፍትሒ ብምዝባዕን ብዝብሉ ክስታት ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሽመን ዘይተገለጻ 6 ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣኽባር ሕጊ: ኣር ኬሊ በዲሉና’ዩ፣ ኣፈራሪሑናን ጉድኣት ኣብጺሑልናን ዝብል ጥርዓን ንዘለዎም ልዕሊ 10 ሰባት ቤት ፍርዲ ክስማዓሉ ይደሊ’ዩ።
ካብዚኣቶም ሓደ ንወዲ 17 ዓመት ሙዚቀኛ ናይ ምዃን ድልየት ዘለዎ ሰገን: ኣብ ማክዶናልድ ረኺቡ ቺካጎ ናብ ዝርከብ ናይ ሙዚቃ ስትድዮ ዓዲምዎ ከምዝነበረ ይግለጽ። ኣር ኬሊ ነቲ ወዲ ብናይ ሙዚቃ ሞያ ድሕሪ ምሕጋዙ ገና ትሕቲ ዕድመ እንከሎ ምስኡ ጾታዊ ረኽቢ ከምዝፈጸመ’ዩ ዝዝረብ።
ከም ሓበሬታ ኣኽባር ሕጊ እንተድኣኾይኑ: ኣር ኬሊ ምስ ካልእ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ወዲ 16 ዓመት ምስዝነበረ ዓርኩ ኣፋሊጥዎ ከምዝነበረን ድሕሪ ዓመታት ምስ እቲ መሓዝኡ እንከይተረፈ ጾታዊ ረኽቢ ነይርዎ’ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣር ኬሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ወዱ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ብምግባር ካብ ፍትወተን ወጻኢ ቪድዮ ይስእለን ከምዝነበረ’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ ጭብጥታት ተቐባልነት ክህልዎን ከይህልዎን ዳኛ ጌና ውሳነ ኣይሃበሉን ኣሎ።
ኣብ ናይ 1990ታት ኣር ኤንድ ቢ ሙዚቃ ውሩያት ካብ ዝኾኑ ድምጻውያን ሓደ ዝኾነ ኬሊ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኮይኑ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ይጽበ’ሎ።
መጋባእያ ቤት ፍርዲ ኒውዮርክ ነቲ ጉዳይ ክርኢ ን 9 ነሓሰ ቆጸራ ሒዙ’ሎ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
