ዶክተር ንምዃን እትሓልም ጓል ሽዱሽተ ዓመት ናይጄሪያዊት 'ዲጄ'

ዲጄ ኣይሪሽ
Published

ዲጄ ኣይሪሽ ብዝብል መጸውዒ ዝያዳ እትፍለጥ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ናይጄሪያዊት ኪንግ ቺካምሶ፡ እቲ ሙዚቃ ናይ ምጽዋት ሞያኣ እናቐጸለቶ፡ ሕክምና ክተጽንዕ ከም እትደልይ ተዛሪባ።

ንሳ ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ኢግቦ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ ንኽልቲኡ ብምምዝዛን ክትሰርሕ ከም እትብህግ ገሊጻ።

"ሰባት ምስ ሓመሙ ከሕውዮም ምእንቲ፡ ሓኪም ክኸውን እደልይ። ቀሊል ኣይኸውንን ግና ዶክተር ክኸውን እየ ነዚ ናይ ዲጄ ሞያይ ድማ ክቕጽሎ እየ" ኢላ።

ዲጄ ኣይሪሽ

ንሳ እቲ ሙዚቃ ናይ ምጽዋት ዝንባለ ዝሓደራ ጓል ሓሙሽተ ዓመት እንከላ እዩ፤ ንኣቡኣ ድማ እቲ መሳርሒታት ክዕድገላ ሓቲታ።

ከመይ ጌራ ከተጻውት ከም እትኽእል ሓደ ሰብ ምስ መሃራ፡ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ተጻውት ኣላ።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ መሓዙተይ፡ ንፍዕቲ ዲጄ ምዃነይን ሰባት ጽቡቕ ከም ዘዘናግዕን ከም ዘሕጉስን ይነግሩኒ እዮም" ትብል።

ወላዲታ ኣዳኦቢ ኪንግ፡ እቲ ናይ ዲጄ ስርሓ ኣብ ትምህርታ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ኣድላዪ ሓገዝ ከም እትገብረላ ተዛሪባ።