እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ፡ ተጨውዮም ዝነበሩ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ
ሰብ መዚ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ብሸፋቱ ተጨውዮም ዝጸንሑ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዘፍትሑ ኣፍሊጦም።
እተን ኣዴታት መብዛሕትአን ቖልዑት ዘዕብያ ዝነበራ ምዃነን ክግለጽ እንከሎ፡ ብ8 ሰነ 2021 ካብ ግዝኣት ዛምፋራ ዝተጨወያ’የን።
ኣብቲ እዋን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።
ምምሕዳር ግዝኣት ዛምፋራ ዝኾነ ዓይነት ገንዘብ ከይተኽፍለ ክፍትሑ ከም ዝኽኣሉ ካብ ምግላጽ ወጻእ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
እተን ኣዴታትን ህጻናትን ናብ ስድራቤቶም ቅድሚ ምጽንባሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝግበር ተሓቢሩ ኣሎ።
ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው ኣብዛ ግዝኣት ተደጋጋሚ መጭወይቲ ከጋጥም እንከሎ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብሸፋቱ ተጨውዮም።
መብዛሕትኦም ከኣ ንመፍትሒኦም ዝኸውን ገንዘብ ተኸፊሉ ክወጽኡ እንከለው፡ ገሊኦም ተቐቲሎም።
ሰብ መዚ እዚ ከባቢ እቲ ተግባር መብዛሕትኦም ሸፋቱ፣ ጨወይቲ ጉጅለታት፣ ዕጡቓት ሰረቕቲ፣ ጓሶትን ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሚሊሻታትትን ፈጺሞምዎ ብምባል ይኸሱ።
ኣብ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዞባ ቦርኖ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም ድሕሪ ዝፈጸሞ ኣዘራራቢ መጭወይቲ 276 ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፡ ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ብብዝሒ ተመሃሮ ክጨውዩ ይርኣዩ ኣለው።
ፕሬዝደንት መሓሙድ ቡሃሪ ኣብ ግዝኣት ዛምፋራን መዋስንቲ ዞባታት ካዱናን ካትሲናን ገበነኛታት ከጽሪ ንሰራዊት ምክልኻል መምርሒ ሂቡ’ዩ።
ትማሊ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ብሰንበት ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ መጥቃዕቲ ትፍጽም ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ዶብ ግዝኣታት ዛምፋራን ካዱናን 'ብሸፋቱ ተሃሪማ ወዲቓ' ምባሉ ይዝከር።
ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብህይወት ከም ዘሎን ከም ዝሃደመን ከኣ ተገሊጹ።