እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“በዓል ጃዋር ይፈትሑ” ብምባሉ ዝተኣስረ ተመራቒ ተምሃራይ ተፈቲሑ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ፡ "በዓል ጃዋር መሓመድን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ይፈትሑ" ብዝብል ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ መሓመድ ዴክሲሶ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 3 ሐምለ 2013 ዓ.ም ተፈቲሑ።
መሓመድ፡ ኣብ ‘ኣዋሽ መልካሳ ምርባሕ ደርሁ’ ንልዕሊ ሓደ ወርሒን ፈረቓን ከምዝጸንሐ፡ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ግና ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብዙሓት እንተተፈትሑ’ኳ፡ ሕዚ’ውን ካልኦት ኣብቲ ቦታ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።
ብዕለት 6 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምርቓት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ጅማ፡ “ፍትሒ ንሃጫሉ ሁንዴሳ፤ እሱራት ፖለቲካ ኦሮሞ ይፈትሑ፤ ጃዋር መሓመድ ይፈታሕ” ዝብል መልእኽቲ ዓው ኢሉ ብምዝራቡ እዩ ዝተኣስረ።
መሓመድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ እሱር ኮይኑ ኣብ ዝጸንሐሎም ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽድሽተ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝረአየ ገሊጹ። ንሱ፡ ካብ መንጎኦም እቶም ክልተ ጥራይ ሕጋዊ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾኑ፡ “እቶም ዝተረፉ ግና፡ ዘይሕጋዊ መሳቐዪ ማእከላት” ከምዝኾኑ ተዛሪቡ።
ትማሊ ንጎሆ ተፈቲሑ ምስ ኣባላት ስድርኡ ከምዝተራኸበ ዝዛረብ መሓመድ፡ ሕዚ’ውን ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ማእከል ‘ምርባሕ ደርሁ’ ብዙሓት እሱራት ከምዘለዉ ተዛሪቡ። “እቶም መዓልታት ዳርጋ ዓመታት ኮይኖምኒ፤ ክንደይ ከምዝኾኑ ኣይቆጸርክዎምን፥ ግን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ይኸውን” ክብል ኣብቲ ማእከል ዝነበሮ ጻንሒት ይዛርበ።
ኣብ እዋን ማእሰርቲ እንታይ ከምዘጋጠሞ ካብ ምዝራብ እንተተቖጠበ’ኳ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝገጠሞም ንላዕሊ ኣይኮነን ይብል። “ኣብ መራብሒ ደርሆ ተኣሲርካ ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ግልጺ እዩ፤ ግቡእ ኣተሓሕዛ ኣይኮነን” ኢሉ።
መሓመድ፡ በቲ ኣብ እዋን እቲ ምርቓት ዝተዛረቦ ከምዘይናሳሕ ይዛረብ። “ዝኾነ ሰብ ክግንዘቦ ዘለዎ ነገር እንተሎ፡ እቲ ዘልዐልክዎ ሕቶ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ስለዝኾነ ዘሻቕለኒ ወይ ድማ ዘናሰሐኒ ነገር ኣይገበርኩን” ኢሉ።
እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን ፕረዚደንት ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፡ ወይዘሮ መዓዛ አሸናፊን ሓዊሱ ብዙሓት ሰብ ሰልጣን መንግስቲ ዝተዓደምሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።
መሓመድ፡ ካብቲ ዝደርፍ ዝነበረ ሰብ [ሙሉጌታ ሺቴ] መጉልያ ተቐቢሉ እዩ ነቲ መልእኽቱ ኣሕሊፉ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብ18 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘውጸኦ መግለጺ፡ መሓመድ ካብ ለካቲት 6፤ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጅማ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ወረዳ’ታ ከተማ ብዋሕስ ክስደድ ዘሕለፎ ውሳነ ብምጥሐሽ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።
ንዕኡ ሓዊሱ፡ ብቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑሎም፡ ግና ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ ነይሩ። መሓመድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ፖሊስ ብጽፊዒት ወቒዖም ናብ ኣብ’ቲ ቀጽሪ ዝርከብ ካምፕ ከምዝወሰድዎን፡ ድሕሪ ንእሽቶ ጻንሒት ድማ ካብቲ ከባቢ ኣውጺኦም ክልተ እግሩ ብበትሪ ከምዝቐጥቀጥዎን ከምኡ’ውን ኣብ ጎኑ ከምዝሃረምዎ ነቲ ኮሚሽን ተዛሪቡ ነይሩ።
ርግጽ ኣብቲ ስሩዕ መደበር ፖሊስ ምስ ኣተወ፡ ከምኡ ዓይነት መህረምቲ ከምዘይበጽሖ እዩ ዝዛረብ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝረእየሉ እዋን፡ ኣብ እግሪ መሓመድ ጉድኣት ከምዝረእየ፤ ይሕንክሶ ከምዝነበረን፡ ክሕከም ከምዝሓተተሉን፡ እንተኾነ ክሳብረ 17 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ሕክምና ከምዘይተገብረሉ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኮሚሽን ወሲኹ፡ ካብ መጀመርትኡ’ውን፡ መሓመድ ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት ምርቓት ከምኡ ምግባሩ፡ ከውቅሶን ከንቅፎን ይኽእል ይኸውን’ምበር ብገበን ዘኽስስን ዘእስርን ምኽንያት ኣይነበረን” ዝብል ኣብ መግለጺኡ ከምዝስፈረ ይፍለጥ።