እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ ቐጠር ዜግነት ዘለዎ ሱዳናዊ ዝመበቆሉ ተቐዳዳማይ ብሓደጋ መኪና ሞይቱ
ኣብ 2017 ኣብ ሎንደን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ሻምፕዮና ዓለም ለኸ ቅድድም፡ ተሸላሚ ነሓስ ዝነበረ ናይ ቐጠር ዜግነት ዘለዎ ሱዳናዊ ኣትሌት ዓብደላ ሃሮን ኣብ ዶሃ ብዘጋጠሞ ናይ መኪና ሓደጋ ኣብ መብል 24 ዓመቱ ሞይቱ።
ኣቦ መንበር ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ቐጠር ዒሳ ኣል ፈዲላ፡ ሃሮን ኣብ ዶሃ ብዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝሞተ ኣፍሊጡ’ሎ። ዓብደላ ሃሮን ኣብ ናይ 2016 ዓለም ለኸ ሻምፕዮና ቅድድም ውሽጢ ገዛ ብሩር ኣብ 2018 ድማ ወርቂ ረኺቡ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ኣል ፈዲላ “ማሕበረሰብ ስፖርትን ኣትሌትክስን ቐጠር ብደረጃ ዓለም ለኸ ሓደ ዓብይ ጅግና ኢና ስኢንና” ኢሉ። ኣብ ሱዳን ዝተወለደ ዓብደላ ሃሮን ኣብ 2015 ንኳታር ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓጺር ርሕቐት ቅድድም ምስታፍ ጀሚሩ።
ሃሮን ዝዓበየ ውጽኢት ዘመዝገበሉ ውድድር ናይ ነሓስ ሽልማት ዝረኸበሉ ኣብ ሎንደን ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ሻምፕዮና ኮይኑ ነቲ ውድድር ደድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ዋይደ ቫን ኒከርክን ባሃማሳዊ ተወዳዳራይ ስቴቬን ጋርዲነር ሳልሳይ ኮይኑ ከምዝዛመ ይፍለጥ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሃገራት ኤስያ ድማ ክልተ ወርቂ ረኺቡ ነይሩ። ሃሮን ኣብ ሃገሩ ዶሃ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ውድድር ዘዕግብ ውጽኢት እንከይ ኣመዝገበ ተሪፉ።
ካብኡ ንድሓር ናብ ማእኸል ተሃድሶ ኣትዩ ከምዝነበረ ዝሓበረ ኣቦመንበር ፈዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኳታር ኣል ፈዲላ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተደናጎየ ዓለም ለኻዊ ሻምፕዮና ቶክዮ ጃፓን ንምስታፍ ኣብ ምድላዋት ከምዝነበረ ገሊጹ።