እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኦፌኮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኩሉ ዝሳተፈሉ ገሃራዊ ምርጫ ክካየድ ጸዊዑ
ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊን ክልላውን ምርጫ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈ ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልእ ኩሎም ወገናት ዝተፍሉ ምርጫ ክካየድ ጸዊዑ።
እቲ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምራሕ ኦፌኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካልኦት ሓይልታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክቕበልዎ ኣለዎም ዝበሎም ሰለስተ እማመታት ኣቕሪቡ'ሎ።
በዚ መሰረት ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝሳተፍዎ ሓድነታዊ መንግስቲ ክምስረት ኦፌኮ ጸዊዑ።
ካልኣይ፡ እቲ "ዘይተዓወተ" ዝበሎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተጀመረ ናይ ጽገና መስርሕ ክቕጽል ከምዝደሊ'ውን ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ፡ "ንኹሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ናይ ምርድዳእ ድርድር ክጅመር" ኣለዎ ኢሉ።
ኦፌኮን ኦነግን፡ ሓያሎ ካብ መራሕቶም ብምእሳሮምን፡ ኣብያተ-ጽሕፈታቶም ብምዕጻዎምን ነቲ ምርጫ ከምዝተሓሰምዎ ይዝከር።
ሃገራዊ ምርድዳእ ዘይብሉ ምርጫ ነታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ጸገም ናብ ዝኸፍአ ቅልውላዉ ክደፍኣ ከምዝኽል ከጠንቅቕ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ካብ መንግስቲ ጸማም እዝኒ ብምርካቡ "ሃገርና ካብ ቅልውላዉ ናብ ካልእ ቅልውላዉ ይሰጋገር ኣሎ" ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ።
ነቲ ዝተኻየደ ምርጫ "ንብምልኦም ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘይውክል እዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ምዝገባ መረጽቲ ሰለስተ ግዜ ምንውሑ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዘይፈልጦም 79 ነቚጣታት ምጽንሖምን ኣብ ልዕሊ 100 ወረዳታት ምርጫ ዘይምክያዱን ተኣማንነት ዘይብሉ ምርጫ'ዩ ብምባል ይምጉት።
ኣፍሪቃውያን ተዓዘብቲ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ምርጫ ጸገማት እንተ ተራእዩ፡ እቲ ምርጫ ሰላማውን ተኣማንን ምንባሩ ምግላጾም ይዝከር።
ተዓዘብቲ ሕብረት ኣውሮጳ ግን ብሰንኪ'ቲ ቅድሚ ምርጫ ዘጋጠሞ ምስሕሓብ፡ ሓሳቡ ከምዝቐየረ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ "ኣብታ ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ዝተኻየደ ናጻን ርትዓውን" ክብል ገሊጹዎ'ሎ። እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ እንተ ተሳዒሩ፡ ስልጣን ከረክብ ድልዉ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ'ሎ።
ኦፌኮ ከምዝበሎ ግን፡ "ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወረዳታት ሰልፊ ብልጽግና ንበይኑ ተወዳዲሩ" ክብል ነቒፉ።
እቲ ብሰንኪ ኲናት ካብቲ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ዝተገለለ ክልል ትግራይ ብምጥቃስ'ውን፡ "ሓምሳ ሚእታዊ ህዝቢ ኣብ ምርጫ ኣይተሳተፈን" ኢሉ።
"ብምንም ትኣምር፡ ንናይ ሃገርና ድሌታት ዘማልእ ምርጫ፡ ማለት፡ ዘላቒ ሰላም፡ ምርግጋእን ንኩሉ ብማዕረነት እተአንግድ ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ዘይፈጥር እንተኾይኑ፡ ንሚልዮናት ዝኸውን ልምዓትን ብልጽግናን ኣየምጽን እዩ።"
እቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ 37 ሚልዮን መረጽቲ ከምዝተመዝገቡን፡ 47 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሕጹያቶም ዘወዳደርሉን ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣብቶም ብሰንኪ ጸጥታዊ ጸገማት ምርጫ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ናይ ምድማጽ ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ'ሎ።