ኤየር ቢኤንቢ ንሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠማ ቱሪስት 7 ሚልዮን ዶላር ከፊሉ

ምልክት ኣየር ቢኤንቢ ኣብ ሞባይል ስልኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣካረይትን ተኻረይትን ገዛ ዘራኽብ ትካል ኤየር ቢኤንቢ ንሓንቲ ‘ቱሪስት’ ኣብ ኒውዮርክ ድሕሪ ዝበጽሓ ሓደጋ 7 ሚልዮን ዶላር ክኽሕሳ ከምዝተገደደ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማእከን ዜና ብሉምበርግ እታ ኣውስትራልያዊት በጻሒት ሃገር ኣብቲ ብመገዲ ኤየር ቢኤንቢ ዝተኻረየቶ ገዛ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናይ 2015 እዩ ብኻራ ብምፍርራሕ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምዋ።

እታ ምስ መሓዝኣ ዝነበረት ግዳይ፡ መፍትሕ ናይቲ ገዛ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበረ ድኳን ኣብቲ ዕለት ከም ዝተረከበቶ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

እቲ ጥርጡር ቅዳሕ ናይቲ መፍትሕ ብምሓዝ ኣቐዲሙ ናብቲ ገዛ ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሓቢሩ።

እታ ቱሪስት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ወዲ 24 ዓመት ጥርጡር ጁንየር ሊ ኣብ ባኞ ተሓቢኡ ከም ዝጸንሐ ብሉምበርግ ሓቢሩ።

ብጾታዊ ዓመጽ ክሲ ቀሪብሉ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሚስተር ሊ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ቢቢሲ ንጠበቓ ሚስተር ሊ ርእይቶኡ ክህብ ኣብ ዝሓተተሉ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ድሕነት ኤየር ቢኤንቢ ንፖሊስ እቲ ከባቢ ብምሕባር ግዳይ ናብ ሆቴል ከምእትውሰድ ገይሩ።

እቲ ትካል ብዘይካ እቲ ዝኸፈሎ ካሕሳ፡ ግዳይ ናይ ምኽሪ ሓገዝ ክትረከብን ንወላዲታ ካብ ኣውስትራልያ ብምምጻእ ኣብ ጎድና ክትኸውን’ውን ዘድልይ ወጻኢታት ምሽፋኑ ተገሊጹ።

ግዳይ ብመሰረት ዝተዋህበቶ ናይ 7 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ፡ ንትካል ኤየር ቢኤንቢ ኮነ ንወናኒ እቲ ገዛ ከም ዘይትኸስስ ብሉምበርግ ጸብጺቡ።

ኣፈኛ ኤየር ቢኤንቢ፡ በን ብረይት ግና ን ኒውዮርክ ታየምስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ዓመጻት፡ ክሳዕ ሕጂ ብዝበጻሕናዮም ምርድዳኣት፡ ግዳያት ብዛዕባ ዘጋጠሞም ብነጻነት ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ነቲ ናይ ከተማ ኒውዮርክ’ውን ዝምልከት እዩ” ኢሉ።