ብኤፍቢኣይ ዝተዳለወ 'ኣኖም' ዝበሃል ኣፕ ዝጥቀሙ ኣማኢት ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣብ ኣውስትራልያ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ

ምንጪ ስእሊ, Australian Federal Police

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 200 ሰባት ተታሒዞም
Published

ኣብ መላእ ዓለም ብዝተኻየደ ስርሒት ልዕሊ 800 ነቲ ብኤፍቢኣይ ዝተዳለወ መተግበሪ (ኣፕ) ዝጥቀሙ ዝነበሩ ገበነኛታት ኣብ ሓደ እዋን ከምዝተታሕዙ ሰብመዚ ጸጥታ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ፈለማ ብኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝተበገሰ ስርሒት፡ እቲ መተግበሪ ዝተጽዓነን ስልክታት ናብቶም ገበነኛታት ክዝርጋሕ ብምግባር፡ ፖሊስ ነቲ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸፍርስን ገንዘብን ከምኡ'ውን ናይ ቅትለት ውዲታት ክከታተል ኣኽኢሉ እዩ።

እቲ ስርሒት ንጉጅለታት ዕጸፋርስን ምስ ማፍያዊ ጉጅለታት ርክብ ዘለዎም ሰባት ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ይግለጽ።

በቲ ኣብ ልዕሊ 10 ሃገራት ዝተኻየደ ስርሒት ሸሞንተ ቶን ዕጸፋርስ፡ 250 ጠበንጃታት፡ ክቡራት መካይንን ልዕሊ 48 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ዲጂታዊ ባጤራን ተታሒዙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን፡ እቲ ስርሒት ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ "ዝተወደቡ ገበነኛታት ዓቢይ ጽፍዒት" ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ መንጎ ዝተትሓዙ ኣጽዋራት

ምንጪ ስእሊ, Australian Federal Police

ትካል ፖሊስ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዩሮፖል ነቲ ትሮጃን ሺልድ ዝተሰመየ ስርሒት "ዛጊት ኣብ ልዕሊ ዝተመስጠረ ርክብ ዝተገብረ ዝዓበየ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት" ምዃኑ ሓቢሩ።

እተን እቲ መተግበሪ ዝተጽዓነን ስልክታት፡ ንዝኾነ ናይ ቴለፎን ጻውዒት ዘየገልግላን ኢመይል ንምርኣይ'ውን ዘየኽእላ ኮይነን እቲ መተግበሪ ምስ ዘለዎ ሰብ ጥራይ ዘራኽባ ምዃነን ፖሊስ ኣውስትራልያ ገሊጹ።

ኣውስትራልያዊ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ ሃካን ኣዪክ ነታ ስልኪ ካብ ሓደ ሰላዪ ምስ ረኸባ፡ ከይፈለጠ መሳርሕቱ ክጥቀሙላ ብምምካሩ እተን ስልክታት ከም ዝተዘርግሓ'ውን ፖሊስ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ኣብ 100 ሃገራት ዝርከቡ ልዕሊ 300 ገበነኛታት፡ ከባቢ 12 ሽሕ ተመሳሰልቲ ስልክታት ከም ዝጥቀሙ ተገሊጹ።