ኣብ ቤልጂየም፡ ንሓንቲ ንእስቲ ጓል ዓሚጾም ህይወታ ዘስአኑዋ ሓሙሽተ ኣወዳት ተታሒዞም

ኣብ ቤልጂየም ዝርከብ ናይ መቓብር ቦታ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ቤልጂም ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ብጉጅለ ዓሚጾም ክትመውት ምኽንያት ዝኾኑ ኣወዳት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ እቶም ኣወዳት ኣብ ልዕሊ እታ ንእስቲ ጓል አነስተይቲ ጾታዊ ጥቕዓት እንትፍጽሙ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይቃልሑ ከምዝነበሩ ጸብጺቦም።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት፡ እቶም ክልተ ድማ ደቂ 18ን 19ን እንትኾኑ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።

ናይታ ቖልዓ ሞት ስዒቡ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እቶም ኣወዳት፡ ፖሊስ ምርመራ እናገበረሎም ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

እታ ግዳይ፡ ሓደ ዓርካ ኣብ ጥቓ ሓደ መቓብር ክራኸቡ ቆጸሮ ሒዛ ከምዝነበረት፡ እንተኾነ ምስ ኣርባዕተ ኣዕርኽቱ ኮይኑ ብምምጻእ ብጉጅለ ኾይኖም ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸሙላ እተን ሚድያተት ጸብጺበን።

ኣቦኣ ሄት፡ "ብዞም ስእልታት እዩ ዓለም ሙሉእ ሪእዋ፤ ዓለማ ድማ ተገለባቢጡዋ" ክብል ኒውስባልድ ንዝበሃል ሚድያ ቤልጂም ተዛሪቡ።

እቲ ኣጸያፊ ተግባር ንሰብ ስልጣን እታ ሃገር'ውን ኣቖጢዑ እዩ ተባሂሉ።

በቲ ተግባር ዝሓረቐት፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቤልጂም፡ ሳራ ሺልትዝ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይቃልሑ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ከምዝውሰድ ኣፍሊጣ ኣላ።

ምስ ማሕበራዊ ሚድያ ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ኣቚማ ናይ ምምርማር ስራሕ ከምዝጀመረት'ውን ተዛሪባ።

ሚኒስትር ፍትሒ ቤልጂም፡ ቪንሰንት ቫን ኩይኬንቦርን፡ ብወገና "ነዚ ነውራም ዝገልጽ ቃላት የብለይን፤ ኣዝዩ ኣጸያፊ ተግባር እዩ" ኢላ።

"ጾታዊ ጥቕዓት ዝበጽሐክን እንተሃሊኽን ቀሪብክን ኣፍሊጣና። ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍጽም ሰብ ግቡእ ቕጽዓት ክረክብ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና። ከምዚ ዓይነት ምስልታት ዘቃልሑ'ውን ከምኡ" ኢላ።

ሊዝቤት ስቲቨንስ ዝተብሃለት በዓልቲ ሞያ ስርዓተ ጾታ፡ ቪኣርቲ ንዝተብሃለ ሚድያ፡ እዚ ናይ ሕዚ ጥቕዓት ፈላማይ ከምዘይኮነን፡ ዓመታዊ ኣስታት 200 ብጉጅለ ዝካየድ ጾታዊ ጥቕዓታት ሪፖርት ከምዝግበርን ኣፍሊጣ።