ቤልጅም፡ በዓልቲ ቤቱ ንሰራሕተኛ ዝጸፍዐት ኣምባሳደር ካብ መዝነቱ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣምባሳደር ቤልጅም ዝነበረ ፒተር ለስኮሂር በዓልቲ ገዝኡ ንሓንቲ ሰራሕተኛ ብጽፍዒት ብምውቅዓ ካብ መዝነቱ ተላዒሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ተግባር በዓልቲ ቤት እቲ ኣምባሳደር ንሓንቲ ሰራሕተኛ መደብር ክትጸፍዓ ብቪድዮ ከም ዝተቐድሐ ተገሊጹ።
እታ ሰራሕተኛ ኣብ ሓደ መደብር እትሰርሕ ኮይና፡ በዓልቲ ገዛ ቤልጄማዊ ኣምባሳደር ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ናታ ምዃኑን ዘይምዃኑን ስለ ዘይተፈለጠ ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ነይሩ።
ነቲ ተግባር ዝፈጸመት በዓልቲ ቤት’ቲ ኣምባሳደር ነታ ሰራሕተኛ ይቕሬታ ከም ዝሓተተታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቤልጂየም ኣፍሊጡ’ሎ።
እንተኾነ እቲ ኣምባሳደር ካብ ስርሑ ክእለ ከም ዝተወሰነ ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ሶፊ ዊልምስ ተዛሪባ።
እቲ ኣምባሳደር ንሰለስተ ዓመታት’ዩ ኣገልጊሉ።
“ክሳብ ሎሚ ንሃገሩ ብትግሃት ኣገልጊሉ’ዩ፤ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጠረ ነገር ግን ካብ ሎሚ ንደሓር ምሳና ንከይቕጽል ገይሩ’ሎ” ኢሉ ኤምባሲ ቤልጂየም ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ።
በዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣምባሳደር ንሕጋዊ ከለላ ዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃም ካብ ክሲ ተሪፋ’ኳ እንተነበረት፤ ቤልጂየም ግን ነቲ ከለላ ሕጊ ብምልዓል ፖሊስ ደቡብ ኮሪያ ምጽራይ ክገብር ከም ዝኽእል ኣፍሊጣ’ላ።
ኣብቲ መደብር እንታይ ኣጋጢሙ?
ጓል 63 ዓመት በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ቤልጂየም ኣብ ደቡብ ኮርያ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ክዳውንቲ እናቐያየረት ብምጽናሕ ክትወጽእ ከላ፤ ሰራሕተኛታት እቲ መደብር ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ናታ ምዃኑ ንምርግጋጽ ደድሕሪኣ ይስዕብዋ።
እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ክዳን ከይተኸፈሎ ይወጽእ ከይህሉ ስለ ዝተጠራጠሩ’ዮም ዝሰዓብዋ።
ሽዑ እታ ሰበይቲ ኣምባሳደር ንሓንቲ ካብቶም ሰራሕተኛ ደፊኣታን ጸፊዓታን። እዚ ከኣ ብቪድዮ ተቐሪጹ’ሎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
