እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንማዕከናት ዜና ግብጽን ሱዳንን ዘዘራረበ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ኢትዮጵያ ብውሑድ 100 ማእከላይን ንኣሽቱን ዲጋታት ክትሃንጽ እያ ምባሉ፡ ማዕከናት ዜና ግብጽን ሱዳንን ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ሰሪሐን።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስነ ስርዓት ምጅማር ህንጸት መገዲ ኣዳማ - ኣዋሽ እዩ ነዚ ተዛሪቡ።
"ብውሑድ 100 ማእከላይን ንኣሽቱን ዲጋታት ክንሰርሕ መደብ ኣለና። ኣብ ማይ ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኢና፤ ማይ ከም ሓደ ዓብዪ ሃብቲ ዘልምዓና ገይርና እንተዘይወሲድናዮ እቲ እንሓስቦ ብልጽግና ክነረጋግጽ ከጸግመልና እዩ" ኢሉ።
ዕላማ ህንጸት እቶም ዲጋታት ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ምፍራይ ንክክኣል'ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ እቶም ግድባት ኣበይ ከባቢ'ዮም ዝህነጹ ዝብል ግን ግልጺ ኣይገበረን።
ድሕሪ'ዚ መራኸብቲ ማዕከናት ግብጽን ማእከላይ ምብራቕን ነዚ ኣዘራራቢ ገይረንኦ።
ኣሕራም ኦንላይን: ኣብዪ ኣሕመድ ልዕሊ 100 ሓጽብታት ክንሰርሕ መደብ ኣለና ምባሉ ግብጺ "ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዋጋ ዘይምሃብ'ዩ ኢላ" ክብል ጸብጺቡ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሕግታት ዶብ ተሳገርቲ ማያዊ ኣካላት ዝጥሓሰን መሰል ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘየኽበረን'ዩ ምባሉ እቲ ድረ ገጽ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ዓረብ ኒውስ ንወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሕመድ ሓፌዝ ብምጥቃስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተዛረቦ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ምኽንያታዊ ድልየት ከም ዘይብላ ዘርኢ'ዩ ክብል ነቒፉዎ።
ኢጅፕት ኢንዲፐንደንት ብወገኑ እቲ ሓበሬታ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝበጽሑ ጸቕጢታት መልሲ ዝህብ ግድባት ብምህናጽ ድዩ ክብል ጸብጺቡ።
ማዕከን ዜና ሱዳን ሱዳን ትሪቡን ብወገኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝቕጽል በጀት ዓመት ናይታ ሃገር ልዕሊ 100 ሓጽብታት ክንሃንጽ ዓቕሚ ኣለና ምባሉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ብምኽንያት ቅልውላው ትግራይ ካብ ሃገራት ኣመሪካን ኤውሮጳን ከቢድ ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ 10 ዓመታት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ካብ እትጅምር ንነጀው ብፍላይ ምስ ግብጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክተሰማማዕ ከም ዘይክኣለት ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ህንጸት መገዲ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "መንግስቲ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን መገድን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ስለ ዝሰርሐ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ማእኸለዎትን እነኣሽቱን ሓጽብታት ክሰፍሑ ምግባር'ዩ" ኢሉ።
እቲ ህንጸት መገዲ ኣካል ኮሪደር መጓዓዝያ ኢትዮ - ጅቡቲ ኮይኔ፡ 60 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ስሉጥ መገዲ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።
ህንጸት እዚ መገዲ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብዝተረኸበ ልቓሕ 6.6 ቢሊየን ብር ክጅመር እንከሎ እቲ ካልኣይ ምዕራፍ 70 ኪሎ ሜትር ከም ዝሽፍንን ጨረታ ከም ዝወጽኣሉን ተሓቢሩ።