ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ቀላይ ተደብያ ዝነበረት ዓዲ ድሕሪ 70 ዓመት ተቐልቂላ

Published

ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ሓደ ዓቢ ዲጋ ጽገና ንምግባር ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ኣብ ውሽጢ እቲ ማያዊ ክፋል እቲ ዲጋ ንዓሰርተ ዓመታት ተደቢና ዝነበረት ዓዲ ተረኺባ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዓዲ ጥልያን ዝርከብ ቀላይ ረስያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዲጋ መብዛሕትኡ ግዜ ብብረድ ዝተሸፈነ ኮይኑ ኣብ ማእከል እቲ ዲጋ ጫፋ ቅልቅል ዝበለት ደወል ቤት መቅደስ ቀንዲ መለለይቱ እያ።

እዛ ኣብ ማእከል ቀላይ ቅልቅል ዝበለት ደወል ቤት መቅደስ መበገሲ ሓሳብ ሓንቲ መጽሓፍን ኣብ ኔትፍሊክስ ተዘርጊሓ ትርከብ ተኸታታሊት ፊልምን ክትከውን ክኢላ እያ።

እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን መጠነ ማይ ናይቲ ዲጋ ኣዝዩ ስለዝነከየ ምሉእ ቅርጺ ናይታ ደወል ቤት መቅሰድን ኣብ ከባቢኣ ተሃኒጻ ዝነበረት ኩሮን ዝተብሃለት ዓድን ክርኣያ ክኢለን ኣለዋ።

እታ ኩሮን ዝትብሃለት ዓዲ ኣማኢት ሰባት ዝነብሩላ ዝነበሩ ዓዲ ኮይና ኣብ 1950 መንግስቲ ዓዲ ጥልያን ሃድሮሊካዊ ጽዓት ዘመንጩ ዲጋ ንምስራሕ ኣብ ዝወጠነሉ እታ ዓዲ ብማይ ስለዝዕለቕለቐት ነበርታ ካብታ ዓዲ ክወጽኡ ተገዲዶም።

ቀላይ ረስያ ኣብቲ ንጣልያን ምስ ኣውስትራይን ስዊዘርላንድን ዘዳውባ ዞባ ኣልፒን እዩ ዝርከብ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ኣሳእል ከምዘርእይዎ፡ እታ ብቅዲ ናይ 14 ክፍለ ዘመን ዝተሃነጸት ቤት መቅደስ ምሉእ ትርአ። ብዘይካ እዚ፡ ፍርሰራስ ናይታ ቅድሚ 70 ዓመት ብማይ ዝተደብየት ዓዲ'ውን የርኢ።

ሉይሳ ኣዞሊን ነባሪት እቲ ዞባ ኮይና፡ ኣብ ትዊተር 'ኣብ ፍርስራስ እታ ቀደም መንበሪ ኣማኢት ሰባት ዝነበረት ዓዲ ብእግርኻ ሸናዕ ክትብል ዝፈጥሮ ስምዒት ፍሉይ እዩ" ኢላ።

መንግስቲ ዓዲ ጥልያን ንኽልተ ኣፍላጋት ኣራኺቡ ዲጋ ብምግባር ኣብ 1950 ኣብ ተግባር ምስ ኣተወ'ያ እታ ኩሮን ዝተብሃለት ዓዲ ብማይ ተዓቢጣ፡ ነበርታ ነቲ ናይ መንግስቲ ውጥን ዋላ እኳ እንተተቃወምዎ ሰማዒ እዝኒ ግን ክረኽቡ ኣይክኣሉን።

ኣብታ ዓዲ ልዕሊ 160 መንበሪ ኣባይቲ እዩ ብማይ ተዓቢጡ፡ ነበርቲ እታ ዓዲ መብዛትኦም ናብ ካልእ ከባቢታት ክስደዱ እንከለዉ ውሑዳት ኸኣ ኣብቲ ከባቢ መንግስቲ ኣብ ዘጣየሰሎም ሓዳስ ዓዲ ክነብሩ ጀሚሮም።