ስንክልናን ዘቤታዊ ጐነጽን፡ 'ኣብ ውሽጢ ገዛ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዝፈልጥ ሰብ የለን'

ምንጪ ስእሊ, EMMA DALMAYNE
ብሰንኪ ኮቪድ ኣብ ዝተስገደደ ዕጽዋ፡ ሰባት ምስ ሃረምቶምን ዓመጽቶምን ብዙሕ ግዜ ከሕልፉ ስለዝግደዱ ዘቤታዊ ጐነጽ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው ይንገር።
ሳራ ሲንሱሮቫ ከም ዘጽንዓቶ መሰረት፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ብድሆታት የጋጥሞም ከምዘሎ ትሕብር።
"እንተደኣ ስንኩል ዄንካ እሞ፡ ምስ ኣማጺካ ምስ እትነብር ኬንካ ንክትዛረብ እውን ትፈርሕ ኢኻ" ይብል ንብዙሕ ዓመታት ምስ ኣማጺኡ ዝተቐመጠ ኤቤረ ዝስሙ ኣካለ-ስንኩል።
"ብፍላይ ኣብ ቤቱን ኣብ ሓልዮቱን ትነብር ኬንካ ተቐርቂርካ ኢኻ ተሕልፎ" ይብል።
እቤሬ፡ ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን። ኣብ ምሉእ ህይወታ ከቢድ ሃስያ ወሪድዋ እዩ።
እታ ኣብ ናይጀርያ እተወለደት እቤሬ፡ ኣብ ቑልዕነታ ፖልዮ ስለዝሓዛ ብዊልቼር ( ብሽክለታ ስንኩላን) ትንቀሳቐስ።
ወለዳ ንስንክልናኣ ከም "መርገም" ገይሮም ስለዝርእዩዎ፡ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን መዳይ ከየተረፈ ይሃስይዋ ነይሮም።
"ትርጉም ከም ዘይብላ ሰብ ስለዝረአ፡ ብሰንኪ ስንክልናይ ዘይከም እተን ጥዑያት አሕዋተይ ይህረምን ይጋፋዕን ነየረ" ትብል።
ጓል ሸውዓተ ዓመት እንከላ ብሓደ ኣባል ስድራ ቤታ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ።
"ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ እንተ ተዛሪበ ወለደይ ክቐትሉኒ ምዃኖም ነጊሮምኒ ስለዝኾነ ክነግር ኣይተባዕኩን ክንቀትለኪ ኢና ስለዝበሉኒ ሰቲረዮ። " እቲ ከምኡ ዝገበረ ለዋህ ሰብ ዝመስለኒ ነይሩ ግን ከምኡ ኣይነበረን''።
ዩኒሴፍ፡ ዓለምለኻዊ ትካል ምድሓን ሕጻናትን ቖልዑን ከምዝጸብጸቦ፡ ስንኩላን ቈልዑ፡ ምስ ጥዑያት መዘናታቶም ክወዳደሩ እንከለው፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኣካላዊ ግፍዒ ከምኡ ድማ ሰለስተ ዕጽፊ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥሞም።
ብዕድል ግን ኤቤረ፡ ማሕበራዊ ክንክን ንከተጽንዕ ብናይ ትምህርቲ ቪዛ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትያ።
"ካብቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ናይ ስድራ ቤት ሃስያ ንሓዋሩ ዘምለጥኩ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ፤ ግን እቲ ክውንነት ከምኡ ኣይጸንሓንን" ትብል።
ነዊሕ ከይጸንሐት ምስ ሓደ ሰብኣይ ተላልያ ዕርክነት ጀሚራ።
ፈለማ ሕያዋይ ሰብ ኮይኑ እዩ ቀሪቡኒ። መስሓቕ ስለዝነበረ ተዓራሪኽና። ዳሕራይ ግን ሃሳይን ተቛማርን ኮይኑ ረኺበዮ። ክቈጻጸረንን ክጋሰሰንን ጀሚሩ።
"እቲ ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጠመኒ ሕማቕ ተግባራት ኣዝዩ እዩ ሃስዩኒ። ብመናድቕ ኣብ ዝተኸበ ቤት እንታይ ከምዝግበር እቲ ዝወረዶ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ። ሕጂ ህይወተይ ጸሊአ ኣለኹ። ክነብር እውን ኣይደልን'የ" ትብል ።
ኤበረ መሓዛኣ ኣብ ቦርስኣ እትሕባእ ንእሽቶ ቴሌፎን ክሳብ እተምጽኣላ ብኸመይ ከም እተምልጥ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ዳሕራይ ግን በታ ቴሌፎን ናብ ፖሊስ ደዊላ ረድኤት ምስረኸበት እቲ ዝርብሻ ዝነበረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣብቲ ናይ ስደተኛታት መዕቆቢ ኮሪደር ብዙሓት ስደተኛታት ስለዝመላለሱ እኹል መንቀሳቐሲ ቦታ ኣይርከብን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ንስነ አእሙራኣዊ ኩነታታ ዝሕግዝ ምቹእ ቦታ ክትረክብ ኣይከኣለትን።
"ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ፡ ሆቴላትን ሆስቴላትን መዕቆብ ስደተኛታት ተቐሚጠ ኣለኹ ግን ኩሉ ኣይተሰማመዓን" ትብል ።
"ኣብ ገሃነም ዝኣተኹ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ" ትብል ሕጂ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ኢቤሬ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት ረኺባ ኣላ።
"ኣብ ገሃነም እነብር ስለ ዝነበርኩን ዝኾነ ሰብ ከኣ በቲ ዘሕለፍኩዎ መከራ ክሓልፍ ስለዘይደለኹእየ ታሪኸይ ክነግር ወሲነ " በለት።
ንመሰላት ንኣሽቱ ቘልዑ እትከላኸል ተጣባቒት ኣህጉራዊ መሰል ውሁዳን ላውረን ኤቭሪ፡ ስደተኛታት ደቀንስትዮ እሞ ኸኣ ስንካለ ዘለወን ድርብ ወጽዓ ጾታዊ ግህሰትን ኣድልዎን ከጋጥመን ከምዝኽእል ትገልጽ ።
"ብቐዳምነት ብዝለዓለ ደረጃ ዓመጽ ከጋጥመን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ርእኢኡ ከኣ ነቲ ዘጋጠመካ ዓመጽ ንዝምልከቶም ናይ ምሕባር ጸገማትን ሕጽረት ዕድላትን ኣሎ" ትብል።
ኤቭሪ ካብ ዝተፈለላየ ክፍለ ዓለም ዝውሕዝ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ፡ ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ደቀንስትዮ ዘጋጥም ዓመጽ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
ዛጊት ዝተሰነደ ፍሉጥ ኣሃዛት እኳ እንተዘየሎ፡ ቅድሚ ለበዳ ፡ ስንኩላን ደቀንስትዮ ካብተን ጥዑያት መሰልተን ብሰለስተ ዕጽፊ ዘቤታዊ ጐነጽ ከምዘጋጥመን ይፍለጥ።
'ብመስኮት ንክርኢ ኣይፍቀደለይን ነይሩ'
ኤቭሪ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ኣሃዛት ዝምጥን ደገፍን ሓገዝን ክቕረብ ይግባእ ትብል። "ንኹሉ ሓደ ዝዓቐኑ ዓይነት ኣቀራርባ፡ ብንጹር ኣይሰርሕን እዩ" ኵሎም ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ንኹነታቶም ዝበቅዕ ሓገዝን ደገፍን ዝረኽብሉ ኣጋጣሚ ክዋደድ ይግባእ" ትብል።
ነባሪት ለንደን ኤማ ዳልማይነ ጓል 17 ዓመት እንከላ እያ ንወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን ወዳ ሒዛ ካብ ገዛ ሃዲማ ተሰዲዳ ።
"ከቢድ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ወሪዱኒ እዩ። ብመስኮት ክጥምት ወይ ቴሌፎን ክጥቀም ኣይፍቀደለይን ነይሩ። ከምኡ ምግባር ግን ከም ግህሰትን ዓመጽን ኣይተረደእኩዎን" ትብል ።
ብዙሓት ናይ አእምሮ ጸገም ዘለዎም(ኣውቲስቲክ)ሰባት ኣፋዊ ኮነ ኣካላዊ ወስ ወስ ከምዘይፍቀድ ክፈልጡ ይግባእ። ኤማ እውን ብኸመይ ከም እተምልጥ ተጠንቂቓ ኽትሓስበሉ ነይሩዋ ።
"ኣብታ ቅድሚ ምህዳመይ ዝነበረት ምሸት ዝኸፍአ ማህረምቲ ኣጋጢሙኒ። ኣብ ክሽነ ንወደይ ጸባ እናዳለኹሉ ጥርሙዝ እናገበርኩ
ንወደይ ጸባ ከዳልወሉ ኣብ ክሽነ ድምጺ ስለዝገበርኩ ከቢድ ማህሰይቲ ወሪዱኒ፡ልክዕ ከም ኵዕሶ ተወቒዐ"
ንጽባሒቱ፡ ኤማ ካብ ፖስተ ኦፊስ ሰሙናዊ መቑነና ክትወስድ ከይዳ። እቲ መጻምድታ ናብቲ ቦታ እቲ ጥራሕ እዩ ንበይና ኽትኸይድ ዘፍቅደላ።
"ኣብታ ንውላደይ ዝሕዘላ ዓረብያ፡ ተወሳኺ ትርፊ ጸባን ክልተ መቐየሪ ሽንትን ሒዘ ምስ ወደይ ሃዲመ" ትብል።
ንእግረ መገዳ፡ ናብ ሓንቲ መሓዝኣ ደዊላ። መሓዝኣ ከኣ ንፖሊስ ስለዝሓበረት ፖሊስ መጺኦም ረኺቦምዋ።
ኤማ፡ " ኣብ ሕቖይን ኣፍልበይን ዝነበረ በሰላ ማህረምቲ ኣርእየዮም፡ ብቐጥታ ከኣ ናብ ክፍሊ ኣባይቲ ወሲዶሙና" ትብል። ኣብቲ መዕቈቢ ቦታ ምስ በጽሐት፡ ብፍርሕን እፎይታን ተነኽኒኻ ነቢዓ።
እቲ ናይ ኦቲዝም ናይ አእምሮ ጸገማ እውን ተወሳኺ ሓገዝን ኣልያን የድልዮ ስለዝነበረ "ንጹር መምርሕን" ደገፍን ከምእትደሊ ሓቢራ።
ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝግባእ ንኽትጥቀም ጸገም እንተልዩዋ ባዕሎም ፖሊስ ናብቲ መዕቈቢ ሒዞማ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ተሓቢራ። እቶም ሰራሕተኛታት መዕቈቢ፡ ከኣ ምስቲ ቦታን ዘድልያ ኣገልግሎትን ኣላልዮማ። ምምሕዳር ከባቢኣ ከኣ ኣብ ውሑስን ህዱእን ክፍሊ ብምዕቋብ ዘድሊ ሓገዛት ኣቕሪቦሙላ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
