እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ፊሊፕ፡ መራሕቲ ሃገራት ብዕረፍቲ መስፍን ኤዲንብራ ሓዘኖም ይገልጹ
ቤተንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ መስፍን ኤዲንብራ፡ ልኡል ፊሊፕ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ከም ዝዓረፉ ድሕሪ ምግላጹ፡ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ብዕረፍቲ መስፍን ኤዲንብራ ዝተሰምዖም ሓዘን ዝገልጽ መልእኽትታት ናብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ይልእኹ ኣለው።
ካብ ሽወደን ክሳዕ ህንድን ኒውዚላንድን ንግስነታት፡ ነባራትን ህልዋትን መራሕቲ ሃገራትን ቀዳሞት ሚኒስተራትን ሓዘኖም ገሊጾም ኣለው።
እቶም ልኡል፡ ንግስቲ ናብ ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ ዝገበርኦ መገሻታት ኣሰንዮምዋ እዮም።
ኣውስትራልያ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ኣብ መልእኽቱ፡ "ደጊምና ዘይንርእዮ ወለዶ ኣንጸባሪቖም" ክብል ገሊጹ።
እቶም መስፍን ሓጋዚ ንግስቲ እዮም ነይሮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሰን፡ ኣብ ኣውስትራልያ'ውን ፕረዚደንት ናይ ብዙሓት ትካላት ኮይኖም ከም ዘጽለሉ ሓቢሩ።
መራሒት እታ ሃገር ነበር ጁልያ ጊላርድ ብወገና፡ እቶም መስፍን "ሓላፍነት ዝስምዖም፡ ተዋዛዪ" ምንባሮም ገሊጻ።
ሽወደን
ንጉስ ካርል ጉስታፍ ናይ ሽወደን "ንብዙሕ ዓመታት ብሉጽ ዓርኪ ስድራና'ዮም" ክብል ገሊጹ።
ኣፈኛ ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን፡ ማርጋሬታ ቶርግረን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ንጉስን እቶም መስፍንን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ በሓባር ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ መርከብ ጉዕዞ ምሕዝነቶም ከም ዝሓየለ ገሊጻ።
ሆላንድ
ንጉሳዊ ቤተሰብ ሆላንድ ልኡል ፊሊፕ "ህዝቢ ብሪጣንያን ንምግልጋል ህይወቶም ከም ዝወፈየ" ብምግላጽ ብዓቢይ ክብሪ ከም ዝዝክሮም ሓቢሩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ልኡል ፊሊፕ "ነዊሕን ብርቅን ዕምሪ" ዝነበሮምን "ህይወቶም ንኽቡር ነገራትን ንኻልኦትን ዝወፈዩ ነይሮም" ዝበለ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ ነቲ መስፍን ዘለዎ ኣድናቖት ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።
ቤልጅዩም
ንጉስ ፊሊፕ ናይ ቤልጁዩም ንንግስቲ ውልቃዊ መልእኽቲ ክሰዱ እንከለው፡ ኩነታት ኣብ ዝፈቐደሉ ንግርማዊት ብኣካል ክረኽቡ ተስፋኦም ገሊጾም።
ማልታ
ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ፡ ሮበርት ኣቤላ ብወገኑ፡ ብዕረፍቲ እቶም ንማልታ ከም ቤቶም ዝርእዩዋ ልኡል ፊሊፕ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ "ህዝብና ንዝኽሮም ወትሩ ከኽብሮ እዩ" ኢሉ።
ኒውዚላንድ
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃሲንዳ ኣርደርን "ንግርማዊት ንግስትን መላእ ንጉሳዊ ቤተሰብን ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን ብስም ህዝብን መንግስትን ኒውዚላንድ እገልጽ" ኢላ።
ህንዲ
ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ ኣብ መልእኽቱ "ሓሳበይ ምስ ህዝቢ ብሪጣንያን እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብን እዩ" ድሕሪ ምባል፤ እቶም መስፍን ኣብ ሰራዊት ዝድነቕ ስራሕ ከም ዝሰርሑን ኣብ ብዙሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ቅድሚት ይስለፉ ምንባሮምን ሓቢሩ።