ህንድን ኤርትራን፡ ኣብ ብዙሓት ጽላታት ንኽተሓጋገዛ ዘክእል ዘተ ከምዝገበራ ተገሊጹ

ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካር ህንድን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካር፡ ህንድን ኤርትራን ንተኽእሎታት ምትሕግጋዝ ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቶም ምስ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓቆፈ ላዕላዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 4 መዓልታት ናይ ሰራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም 7 ሚያዝያ ናብ ህንዲ ከምዝኣተወ ዝዝከር እዩ።

ሚኒሰትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ኣብ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካርን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ህንዲ ሽሪ ኣጂት ዶቫል ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ኣገደስቲ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያትን ኣመልኪቶም በይንኣዊ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊጹ።

ሚኒሰተር ውሽጣዊ ጉዳያት ህንዲ ዶክተር ኤስ ጃይሻንካር ብወገኑ፡ ምስ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ተተካኢ ጽዓት፡ ትምህርታዊ፡ ህንጻ፡ ጥዕና፡ ዕደናን ድሕነት ማሪታይምን ዘሎ ተኽእሎታት ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብመሰረት መንግስቲ ህንዲ ኣብ 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ኤምባሲታት ንምውጻእ ዘውጽኦ ውጥን፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ 26 ነሓሰ 2019 ኤምባሲ ከምዝኸፈተን ኣምባሳደር ሽሪ ሱብሃሽ ቻንድ ኣምባሰደር ህንዲ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ናይ ስራሕ ወረቐቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዘረከበ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020፡ መንግስቲ ህንዲ፡ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ናይ መግቢ ሓገዝ ገይሩ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ዝምድና ከምዝነበረን ይንገር።

ኤርትራ ካብ ህንዲ፡ መድሃኒት፡ ክዳውንቲ፡ ናይ ኤልክትሪክ ኣቝሑን ሃለኽቲ ነገራትን ከም እትሽምትን፡ ህንዲ ብወገና ካብ ኤርትራ ቆርበትን ካልኦት ጥረ-ነገራት ክትሽምት ምጽንሓ ጸብጻብ መንግስቲ ህንዲ ይጠቅስ።

ኣብ ኤርትራ ካብ መወዳእታ ተስዓታት ጀሚሮም ብዙሓት ህንዳውያን ኣብ ኤርትራ ከም መምሃራን ናይ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርስታትን ኮይኖም ከምዝሰርሑ ይፍለጥ።

ህንዲ ብወገና፡ ንብዙሓት ኤርትራውያ ተምሃሮ ኣብ ህንዲ ከይዶም ንኽመሃሩ ናይ 'ስኮላርሺፕ' ዕድል ከምእትቦም ይግለጽ።