ኮሮናቫይረስ፡ መምርሒ ዕጽዋ ዝጠሓሰ ውልቀ ሰብ 'ድሕሪ ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ህይወቱ ሓሊፉ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መምርሒታት ውሸባ ብምጥሓሱ 300 ጊዜ ሓፍ ኮፍ ክብል ብፖሊስ ዝተኣዘዘ ፊሊፒናዊ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ስድራቤቱ ገሊጾም።
ዳረን ማናኦግ ፔናረዶንዶ፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ብሓሙስ ድሕሪ ሰዓት 18፡00 ኣብ ዞባ ካቪተ ማይ እናዓደገ ፖሊስ ረኺብዎ።
ንጽባሒቱ ሃለዋቱ ድሕሪ ምጥፋእ ህይወቱ ሓሊፉ።
ኣብ ደሴት ሉዞን ዝርከብ ዞባ ካቪተ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይድታት ዕጽዋ እዩ ዘሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ጀነራል ትራያስ፡ ማርሎ ሶሌሮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፖሊስ ቀይዲ ሰዓታት እቶእቶ ንዝጠሓሱ ሰባት ኣካላዊ መቕጻዕቲ ዘይኮነ ኣስተምህሮ እዩ ክህብ ዘለዎ ኢሉ።
ነዚ ብምጥሓስ መቕጻዕቲ ክህቡ ዝተረኽቡ ኣባላት ፖሊስ ስጉምቲ ከም ዝውሰዶም ተዛሪቡ።
ኣባል ቤተሰብ ግዳይ ዝኾነ ኣድርያን ሉቼና፡ ንሞት ዳረን ኣመልኪቱ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሰዓታት እቶእቶ ጥሒሶም ዝተረኽቡ ዳረንን ካልኦትን 100 ሓፍ ኮፍ ብስምረት ክሰርሑ ከም ዝተሓተቱ ሓቢሩ።
ብስምረት ምፍጻም ኣብ ዝሰኣንሉ ከም ብሓድሽ ክደግሙዎ ይግደዱ ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ብሓፈሻ 300 ሓፍ ኮፍ ከም ዝሰርሑ ገሊጹ።
ዳረን ዓርቢ ንጉሆ ሰዓት 6፡00 ናብ ገዝኡ ክመጽእ ከሎ ቃንዛ ከም ዝነበሮን ምሉእ መዓልቲ ምንቅስቓስ ይጽገም ምንባሩን ሓው ተዛሪቡ።
ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ሓለዋቱ ብምጥፋእ ምስትንፋስ ድሕሪ ምቁራጹ ነዊሕ ከይጸንሐ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተረጋጊጹ።
ነቲ መቕጻዕቲ "ስቅያት" ክብል ዝገለጸ ከንቲባ ከተማ ጀነራል ትራያስ፡ ኦኒ ፌረር፡ ፖሊስ ግቡእ መርመራ ክገብር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ተሓላቒ መሰል ሰባት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ፊሊፒንስ መምርሒ ዝጠሓሱ ሰባት ግህሰት የጋጥሞም ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰባት ኣብ ናይ ከልቢ ጋብያ ዝተዳጎኑሉን ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቃልዕ ጸሓይ ኮፍ ክብሉ ዝተገደዱሉ ኩነታት ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ብሓሙስ ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "መምርሒታተይ ንፖሊስን ሰራዊትን ከምኡ'ውን ንሰብ መዚ ቁሸታት እዩ፤ ዝኾነ ሽግር እንተሎ፡ ወይ ናዕቢ እንተኣጋጠመ እሞ ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ እንተኣትዩ፡ ቶኲስኩም ቅተልዎም" ብምባል ዜጋታት መምርሒታት ዕጽዋ ከይጥሕሱ ኣጠንቂቑ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
