እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንግዳያት ኣብ ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ታንዛንያት ዝኸውን 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከፊላ
ኣመሪካ፡ ንግዳያት ናይቶም ኣብ 1998 ኣብ ኤምባሲታት ናይ ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝውዕል ካብ ሱዳን 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከምዝቐበለት ኣፍሊጣ።
ሓላፉ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ክፍሊት ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ኤምባሲታት ናይ ኣመሪካ ኣብ ታንዛንያን ኬንያን ከምኡ'ውን ኣብ የመን ንኣመሪካ ዒላማ ገይሩ ኣብ 1998 ዝተፈጸመ መጥቓዕትታት ብዕጡቕ ጉጅለ ኣልቃዒዳ እዩ ተፈጺሙ።
ሱዳን ከኣ ንኣልቃዒዳ ይምውላ እየን ተባሂለን ኣመሪካ ኣብ መዝገባ ካብ ዘስፈረተን ሃገራት እያ። ብሰንኪ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንዐ እገዳ ተነቢርዋ ጸኒሑ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሓ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ግን፡ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ሓዲሽ ምዕራፍ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክጥጥዕ ተራእዩ።
ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ዝጀመረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣወንታዊ ውጽኢት ስለዝተራእዮ፡ ከም መርኣያ ጽቡቕ ለውጡ ሱዳን ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ብኣመሪካ ተነቢሩላ ዝነበረ እገዳ ክትገላገል ክኢላ።
ኣብቲ ስምምዕ ሱዳን ንግዳያት እቶም ኣብ ኤምባሲታት ናይ ኣመሪካ ኣብ ታንዛንያት ኬንያን ስድራ ምውታትን ዝሰንከሉን ክትክሕስ ዝብል ስለዝነበሮ እዩ ሱዳን 335 ሚልዮን ዶላር ንኣመሪካ ሰዲዳ።