ኣከባቢ: ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወጠነ 'ሓምላይ ተበግሶ' ከምዝተጸንበረቶ ገሊጻ

Published

ኤርትራ፡ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዘበገሰቶ 'ግሪኒንን ኢንሸቲቭ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓምላይ ተበግሶ ንኽትጽንበሮ ዝቐረበላ ዕድመ ከምዝተቐበለቶ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ትማሊ ነቲ ፕሮጀክት ኣመልኪቶም ብተሌፎን ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተ ኤርትራ ኣብቲ መደብ ክትሳተፍ ድልውነታ ምግላጻ ሚኒስተር የማነ ጠቒሱ።

ንምዃኑ እዚ ስዑድያ ዝጀመረቶ ሓምላይ ተበግሶ እንታይ እዩ?

እቲ መደብ ካብ ዝሓቖፎም መደባት ምጉዳል ልቀት ካርቦንን ዓቢ ናይ ምግራብ መደባትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ንመራሕቲ ቐጠር፡ ኵዌት፡ ባሕረይን፡ ኢራቕን ሱዳንን ኣብቲ ዞባዊ ምትካል ኣግራብ ክሳተፉ ዕድመ ከምዘቕረበሎም ንመንግስታዊ ትካል ፕረስ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

"እዚ ንማእከላይ ምብራቕ ዝሓቁፍ ፕሮጀክት ግሪኒንግ ኢንሸቲቭ፡ ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ኩለን ሃገራት ንምስታፍ ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ 50 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል እዩ ወጢኑ ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓለም ዝበዝሐ ምትካል ፈልሲ እዩ" ይብል እቲ መግስታዊ ኣገልግሎት ዜና።

ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሃገሩ ንበይና 10 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተበጊሳ ከምዘላ ብምሕባር፡ እተን ዝተረፋ ሃገራት ነቲ ዝተረፈ 40 ቢልዮን ፈልስታት ተኺለን ብከላ ኣየር ኣብ ምጉዳል፡ ንመሬት ካብ ፍግረ መሬት ኣብ ምክልኻልን ልቀት ካርቦን ኣብ ምጉዳልን እጃመን ከበርክታ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ መንግስታዊ ትካል ፕረስ (ኤስፒኤ) ከምዝበሎ: ጎኒ ጎኒ ምትካል ኣግራብ፡ ተተካኢ ጽዓት ምትእትታውን ምስፋሕን'ውን ኣካል እዚ ተሓንጺጹ ዘሎ ሓምላይ ተበግሶ እዩ።እዚ መደብ ኣካል ናይቲ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝሓንጸጾ ራእይ 2030 ኮይኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ነዳዲ ዝተሞርኮሰ ቁጠባኣ ንምቕያርን፡ ናብራ ሰባት ንምምሕያሽን ኢላ ዝተለመቶ ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።

እታ ብሰደድ ነዳዲ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ ሃገራት ዝኾነት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚራ ነቲ ጎስጓስ ምትካል ኣግራብ ጀሚራቶ ኣላ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ዝበዝሐ ክፋል መሬታ ምድረ በዳ ዝኾነን ዋሕዲ ትሕተ ባይታኣዊ ማይ ዘለዋን ሃገር፡ እቲ መደብ ብኸመይ'ዩ ክትግበር ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተውሃበን ዘሎ።