እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድሬጅ ዱዳ፡ 'ደንቆሮ' ኢሉ ዝጸረፈ ጸሓፊ ተኸሲሱ
ሓደ ውሩይ ፖላንዳዊ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ንፕረዚደንት ፖላንዳ ኣንድሬጅ ዱዳ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ፌስ ቡክ 'ደንቀሮ' ኢሉ ስለዝጸረፎ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ከእስሮ ዝኽእል ክሲ ቐሪብዎ።
እቲ ጃኩበን ዙልኩዚክ ዝተብሃለ ውሩይ ፖላንዳዊ ጸሓፍን ጋዜጠኛን፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኣመሪካ ትኽተሎ ዓይነት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዋላ ሓንቲ ከምዘይርድኦ ንፕረዚደንት ጆ ባይድን ብትዊተር ምስ ጸሓፈሉ'ዩ፡ እዚ ዘይርድኣካ እንተኾይንካ ድኣ ደንቆሮ ኢኻ ኢሉ ጽሒፍሉ።
ፖላንድ ንመራሒ ሃገርን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ዝጸረፈ ዘቕጽዕ ተሪር ሕጊ ዘለዋ ሃገር እያ።
ኣኽባሪ ሕጊ ነቲ ብጃኩበን ዙልኩዚክ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተጸሓፈ ጽሑፍ ወጋእን ዘይቕብሉን'ዩ ኢልዎ ኣሎ።
ጃኩበን ዙልኩዚክ፡ እቲ ኣንጻሩ ዝተለዓለ ክሲ ቅድሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስምዑ ቅር ከምዝበሎ ገሊጹ ኣሎ።
እዚ ኣብ ፖላንድ ኣዝዩ ውሩይ ዝኾነ ጋዜጤኛን ጽሓፈን ኣብ 2014 ዝጸሓፋ 'ብላይንድድ ባይ ዘ ላይት' ትብል መጽሓፉ ኣብ ኤችቢኦ ኢሮፕ ዝተብሃለ መደበር ተለቪዥን ተኸታታሊት ፊልም ከይና ምስ ቐረበት ንስርሑን ንስሙን ክብ ከተብልሉ ክኢላ እያ።
ኣብ ፖላንድ ኣይኮነንዶ ንባንዴራ እታ ሃገር ናይ ካልእ ሃገር ባንዴራ እንተኣናሺኻ'ውን ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሎ።